ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቁራጽ ተኹሲ 146 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ይሕብር


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ -ፋይል

ድሕሪ ውሳነ ቶኽሲ ጠጠው ምባል 146 ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ይኹን እምበር መራሕቲ'ቲ ክልል ናብቲ ክልል ዝኣትው ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዚዩ ዝተሓተ ምዃኑ ይሕብሩ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ምፍቃዱ ብምሕባር ብመንፅር እቲ ቀረብ ግን ሕፅረት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ንቀረብ ረድኤት ምቹእ ሃዋህው ንምፍጣር ብዝብል ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዙዎም ቦታታት ክልል ዓፋር ምውጽኦም እንተገለፁ እውን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግን እዚ ሓሶት እዩ ኢሎም ኣለው።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG