ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ኣንጻር ህወሓት ክዋግኡ ጸዊዑ


ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ
ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ዜጋታቱ ኣንጻር ህወሓት ንክዋግኡ ጸዊዑ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝወጸ መግለጺ"ድሕሪ ኣብ ሰነ ዝተተግበረ በይንኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ምውጽኡን ወይ ነቲ ምቁራጽ ተዂሲ ብምቁራጽን እዩ"።

ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብዪ ዝዘርገሖ መግለጺ"ዓቅሚ ዘለዎምን ዕድመ ዝፈቅደሎምን ኢትዮጵያዊያን ናብ ሰራዊት ምክልኻልን ፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ዝጽምበርሉ እዋን ሎሚ’ዩ" ይብል ።

ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን 4 ሕዳር ውግእ ድሕሪ ምውልዑ አርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን፣ ንህጹጽ ረድኤት ተቃሊዖም ከምዘለው ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን’ውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊፎም ኣብ’ቲ ውግእ ከምዝተሳተፉ ዝዝከር እዩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት’ውን ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ህወሓት ስጉምቲ ንክወስዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፈት ከምዘነጸረ ዝመጸና ዜና ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ኣሸባሪ ጁንታ’ ኢሉ ንዝጸወዖ ህወሓት "ህዝቢ ክሳብ ንዘልኣለም እተዘይተፈላልዩ፣ ሓረስታይ ሃዲኡ ክሓርስ ከምዘይኽእል ንጹር ኮይኑ ኣሎ" ይብል።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ዝወጸ ተሳዒሩ’ምበር ብምቁራጽ ተኹሲ ኣይኮነን ዝብል ህወሓት ብወገኑ፣ ዝነጸሮም ቅድመ ኩነታት ተቀባልነት ክሳብ ዘይረኸቡ፣ ነቲ ውግእ ክቅጽሎ ከምዝኾነ ብዝተፈላለዩ መራሕቱ ከምዝኾነ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ኣንጻር ህወሓት ክዋግኡ ጸዊዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:01 0:00


XS
SM
MD
LG