ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ሽግር ሓላፍነት ከምዘይወስድ ኣፍሊጡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ንድሓር ኣብ ክልል ትግራይ ንዝፍጠር ሽግር ሓላፍነት ከምዘይወስድ ኣፍሊጡ::

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ንሰራዊቱ ካብ ትግራይ ዘውጽኣሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ሚሳይላትን ካልኦት መሳርሕታትን ኣውጺእናዮ ኢና- ዘስግኣና ነገር የለን፡ ኣብዚ ከረምቲ`ዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ተግባራት ኣለዉና ፡ድሕሪ ምባል፡. ኣብ ቀጻሊ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝፍጠር ጉዳያት ተሓታቲ ሕወሓት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ከም ኣድላይነቱ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተጠቕሰ ወሃቢ-ቓሉ ጌታቸው ረዳ፡ ነብስወከፍ ኢንች ግዝኣት ትግራይ ካብ ጸላኢ ክሳብ ዝጸሪ ሓይልታትና ናብ ደቡብን ምብራቕን ይዘምቱ`ለዉ ኢሉ።

ንትግራይ ንምድሓን፡ ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባ ምቕጻል ኣድላይ እንተኾይኑ`ውን ክንገብሮ ኢና ኢሉ።፡

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህወሓት ንሑመራን ራያን ወሲኽካ ብዝኾነ ኣንፈት ናይ ምንቅስቓስ ድልየት ኣለዎ እንተኾይኑ፡ ዝከፍአ ግብረ መልሲ ከምዝጽበዮ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጽኡ ድሕሪ ምሕባር፡ ይኹን`ምበር ተመሊሱ ንኽመጽእ ህወሓት ይጋብዞ`ሎ-ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ድማ ነዚ ድልየት`ዚ ደው ከብሎ ይግባእ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ::

XS
SM
MD
LG