ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ ክብል ምግላጹ ተሓቢሩ


ኩነታት ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ይምለስ ምህላዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ናይ ኣሜሪካ ቲንክ ታንክ ዘዳለዎ ናይ ኢንተርነት ዘተ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝተመርሐ ጉጅለ፡ ከምኡ ኣባላት ምምሕዳር ሓዲሽ ምምሕዳር ጆ ባይደንን ካልኦት ኣባላት ባይቶን ተረኺቦም ምንባሮም`ውን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ነቲ ዘተ መበገሲ ጌሩ ዝጸብጸበ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ኣብ ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ሓላፊ ጨንፈር ክልል ትግራይ ብምጥቃስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ገጠራዊ ከባብታት ከጋጥም ዝኽእል ነገር የተሓሳስቦም ምህላዉ ጠቒሱ`ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ`ዩ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ዝመርሖ ጉጅለ ኣብቲ ብኣትላንቲክ ካውንስል ዝተዳለወ ዘተ ተረኺቡ ብዛዕባ ክልል ትግራይ ንዝለዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት መብርሂ ምሃቦም ይግለጽ ኣሎ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍጹም ኣረጋ፡ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ኔሩ- ብዛዕብኡ`ውን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ይብል "እዋናዊ ዝኾኑ ሰለስተ ዓበይቲ ጉዳያት ማለት፡ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ፡ ሓጽቢ ሕዳሰ፡ ከምኡ ድማ ምስ ሱዳን ዘሎ ጉዳይ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝብተኑ ጸብጻባት ስለዘለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ መረዳእታን ስትራተጅን ንምግላጽ`ዩ፡ስለዚ ኣትላንቲክ ካውንስል ናብ መንግስትን ኮንግረስን ሓሳብ ዘቕርብ ትካል ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ኣኼባ ዝተሳተፉ ትኽክለኛ ግንዛበ ንክረኽቡ ብምሕሳብ`ዩ" ኢሉ።

ኣብቲ ኣኼባ መብርሂ ዝሃቡ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ኣቶ ረድዋን ሑሴን ወሃቢ ቓል-መረዳእታ ህጹጽ እዋን፡ ከምኡ ድማ ዋና ዳይሬተር ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኣቶ ተስፋሁነይ ጎበዛይ ምዃኖም ከምኡ ድማ ካብ ወገን ምምሕዳር ጆ ባይደን ከምኡ ድማ ኣባላት ባይቶ ምስታፎም ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ጉዳያትወጻኢ ተገሊጹ ኔሩ።

"ብኣጠቓላሊ ነዞም ዕዱማት ዝጋበዘ ኣትላንቲክ ካውንስል`ዩ። ካብ ወገን ኢትዮጵያ ሓለፍቲ ተዓዲሞም መብርሂ ሂቦም ኣለዉ። ብወገን ሓዲሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ተሳቲፎም ዝነበሩ በዓል መን ምንባሮም ክፈልጥ ኣይክኣልኩን- ግን ብድምር 32 ዝኾኑ ሰባት ምስታፎም ርእየ`ለኹ።"

ንክልል ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ሕቶታትን ዝውርወሩ ክስታትን ብዝሕ ዝበሉ`ዮም። ክልል ትግራይ ወራር ዝተፈጸማ ብሰራዊት ምክልኻል`ዩ- ትሕተ- ቕርጽታት ፈሪሶም- ልዕሊ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት የድልዮ-ነዚ ረድኤት ንምሃብ ዝደልዩ ዓለም-ለኸ ትካላት ከም ድላዮም ተንቀሳቒሶም ረድኤት ክህቡ ኣይክእሉን- በዚ ዝተላዕለ ሰብኣዊ ቅልውላው ይጋደድ ኣሎ-ንመጻኢ`ውን ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከብ ዝብሉ ይርከብዎም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፉ- ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቅትለት ዘረፋ ዓመጽ ከምኡ`ውን ካልኦት ኢሰብኣዊ ዝኾኑ መጥቃዕትታት ፈጺሞም ዝብል ክስታት`ውን ብትካላት ኣህጉራዊ ተማጎቲ ሰብኣዊ መሰላት ይልዓል`ዩ። ሓዲሽ ምምሕዳር ባይደን`ውን ብሚንስትሪ ወጻኢኡ ጌሩ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ክልል​ ትግራይ ክወጹ ሓቲቱ ኔሩ።

ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፡ እዚእቶምን ካልኦት ሕቶታትትን ኣብቲ መብርሂ ተላዒሎም ምንባሮም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዝተዋህበ መብርሂ ከምዚ ክብል በብተራ የረድእ፡

"ጽንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ብዝሃቦ ኣመራርሓ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻልና ከቢድ ጉድኣት ከምኡ`ውን ክሕደት ሃገር ፈጺሙ`ዩ። ቕትለትን ዘረፋን ምስ ፈጸሙ መንግስቲ ግብረ መልሲ ብምውሳድ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ሰሪሑ`ሎ። ኣብዚ ግልጺ ጉዳይ`ዩ ዘሎ -መን ከም ዝጀመሮ ባዕላቶም ብናቶም ሚድያ`ውን ዝገለጽዎ`ዩ።

ሕጂ ንሰብኣዊ ኩነታት ብዝምልከት ዝስራሕ ዘሎ ነገራት ናይ ምርዳእ ኩነታት`ዩ ዘሎ- 92 ናይ መከፋፈሊ መደበራት ኣብቲ ክልል ዘርጊሑ መንግስቲ ናይ እኽሊ ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ-ተወሳኺ ናይ መግብን መድሃኒትን ቀረባት ይቕርብ ምህላዉን- ዩኤስኣይዲ ዝርከቦም ዓለም-ለኸ ትካላት`ውን ይሕግዙ ከምዘለዉ- ካልኦት ክሕግዙ ዝደልዩ`ውን ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ተቐሚጡ`ዩ ክንደይ ዝኸውን ድጋፍ ይቐርብ ምህላዉ ብዝርዝር ዝተሓበረሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ረድኤት ዘድልዮ ቁጽሪ ሰብ 4.5 ሚልየን ከምዝኾነ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር`ቲ ኽልል ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ ኔሩ።

ቅድሚ ትማሊ ጸብጻብ ዘውጽአ ኣሶሼይትድ ፕረስ`ውን ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ካብ ዝተገብረ ኣኼባ ሰሊኹ ዝወጸ ሓበረታ ብዝብል ኣብቲ ኽልል ብስእነት መግቢ ሰባት ክሞቱ ጀሚሮም ኣለዉ ኢሉ ኔሩ።

ነቲ ቁጽሪ ብዝምልከት ኣብቲ ኣኼባ ኣትላንቲክ ካውንስል ሕቶ ቀሪቡ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍጹም ኣረጋ፡ ንምላሽ መንግስቲከምዚ ክብል የረድእ፡"እቲ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ- እቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ክልል ትግራይ 1.8 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ሰፍቲ ኔት ፕሮግራም ኣትዩ ረድኤት እናተቐበለ ዝነብር ህዝቢ ኔሩ`ዩ። ግጭት ድማ ናይ መጎዓዝያን ካልእ መሳለጥያንን ስለዘተዓናቕፍ፡ ናብ 700 ሺሕ ዝኸውን ተወሳኺ ነዚ ጸገም ክቃላዕ ከምዝኸኣለ`ዩ- ስለዚ ብድምር 2.5 ሚልየን ዝኸውን ህዝቢ ግቡእ ረድኤት የድልዮ`ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነ ቁጽሪ ኣሎ ዝብሉ ብግምት`ዮም ዝዛረቡ። ብዙሓት ነዚ ኣሃዝ ዝህቡ ዘለዉ- ኣቲና ክንጽብጽብ ሓበረታ ክንረክብ ኣይክኣልን ይብል- ዘይሮም ድማ ቁጽሪ ይህቡ-ዝጋጮ ነገራት`ዮም ዝህቡ። ብርጉጽ ንህዝቢ ብምሕሳብ ከምኡ ይገብሩ እንተሃልዮም-ጽቡቕ`ዩ ይሓግዙ-ነቲ ህዝቢ ይሓግዝዎ- ግን ብቑጽሪ ናይ ፖለቲካ መኽሰብ ንምርካብ ዝግበሩ ነገራት ከምዘለዉ ንርኢ ኣለና ኢና። ስለዚ ትኽክለኛ መብርሂ ኢና ንሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ንህብ ዘለና። ሕቡራት ሃገራት ድማ ብብዙሕ መንገድታት ይሕግዘና`ዩ ዘሎ።"

ብኻልእ ወገን፡ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዕቆቢ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ብወታሃደራት ኤርትራ ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ኣለዉ ዝብል ንወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ ኔሩ። ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኣኼባ ኣትላንቲክ ካውንስ ዝተረኽቡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦምሉ`ዮም ይብል።

​"ብኣጠቓላሊ ኣብ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ መዕቆቢ ስደተኛታት ክልተ ኣብ ዓፋር ኣርባዕተ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘለዉ-ካብቶም ኣርባዕተ ድማ እቶም ክልተ ኣብ ከባቢ ዶብ እቶም ክልተ ድማ ናብ ማእከል ናብ ሽረ ከባቢ ከምዘለዉ`ዩ- ንሳቶም ድማ ኣብቲ መጀመርያ ሕጊ ናይ ምኽባር እዋን ጸገም ከምዝነበሮም`ዩ- ሕጂ ግን-ብፍላይ እቶም ናብ ማእከል ዘለዉ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ኣትዩ ክሳብ ዝሕግዞም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብለቓሕ መልክዕ ዝተሓዝ ዝተፈላለየ ናይ መግቢ ቀረባት ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ`ዩ። እዚኣቶም ድማ ንኹሎም ክፉታት ምዃኖም- ዝሓለፈ ቀዳም`ኳ ብኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ተበጺሖም`ዮም- ስለዚ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣትላንቲክ ካውንስ ዝቐርብ ሕቶታት ምላሽ ምሃብ`ዩ ኔሩ።"

ብዛዕባ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኩናት ክልል ትግራይ ተደጋጊሙ ብዛዕባ ዝልዓል ድማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍጹም ኣረጋ ከምዚ ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

"ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ ብዝብል ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ነገር፡መንግስቲ ኤርትራ ኣይኣተኹን ኢሉ መግለጺ ሂቡ`ዩ-ካልኣይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወተሃደራት ኤርትራ ዕድመ ከምዘይገበረሎም-ምህላዎም`ውን ከምዘይረጋገጸ`ዩ ብተደጋጋሚ ዝንገር ዘሎ-ሓደ ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ነገር-ነቲ ዶብ ዝሕልዉ ወተሃደራት መጥቃዕቲ ክወርዶም ከሎ-ነቲ ዶብ ዝሕሉ ማንም የለን-ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህወሓት ዝተታሕዘ እናኣሕደገ ናብቲ ዶብ ክሳብ ዝኣቱ- ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣትዩ ኣይኣተወን ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከረጋግጸሉ ዝኽእል መንገዲ ዘሎ ኣይመስለንን።"

ካልእ ኣበየ ቦትኡ ዝተፈጸሙ በደላት ኣለዉ-ዘረፋታት ኣለዉ ንዝብል- ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ፍጹም ኣረጋ"ጽንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝነበሮ እናለቐቐ ክወጽእ ከሎ፡ 13 ሽሒ ዝኾኑ ብከቢድ ገበን ተኣሲሮም ዝነበሩ ፈቲሕዎም ስለዝኸደ-እዞም ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከቢድ ጉድኣት ከወርዱ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ`ዩ- መንግስቲ`ውን ነዚ ምክልኻል ምስቲ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ስራሕ ጀሚሩ ከምዘሎ`ዩ ዝፍለጥ። ስለዚ እዚ ብዛዕባ ኤርትራ ዝብሃል ዘሎ ናይ ሓሶት ወረ እናቕረቡ ግን ከኣ ወላ ሓደ ጭብጢ ከቕርብሉ ዘይክኣልሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ ኢሉ።"

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG