ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ባንክ፥ማይን ኤሌትሪክ ሓላፍነት ወሲዱ ንክልል ትግራይ ምብጻሕ ከምዝጽገም ኣፍሊጡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ባንክ፣ መብራህቲን ስልኪን ሓላፍነት ወሲዱ ኣብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ከምዝጽገም ገሊጹ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ አዲስ አበባ ዝሰርሑ ዲፕሎማት ሎሚ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፣ ረድኤትን ዝኣመሰሉን ኣገልግሎታት ንምግዓዝ ንዝግበሩ በረራታት፣ ብሕልፊ ንነፈርቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ተፈቲሸን ንክሓልፋ ናይ ኣየር ክልል ከምዝፍቀደለን ሓቢሩ ኣሎ።

እንተኾነ እተን ነፈርቲ ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምእታወን ጸገም እንተጋጢሙወን ሓላፍነት ከምዘይወስድን፣ ንናይ መሬት መጓዓዝያ’ውን ሓላፍነት ከምዘይወስድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ እዩ። ድልድል ተከዜ ከምዝተሰበረ’ውን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ኣኼባ ብመደረ ዝኸፈቱ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮንን፣ ቅልውላው ትግራይ ንምፍታሕ፣ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ንምክያድ ዘሕግዝ ፍኖተ ካርታ ተዳልዩ ኣሎ ከምዝበሉ፣ ኣብ’ቲ ልዝብ ዝሳተፉ "ሕጋዊ ተቃወምቲ ፓርቲታት፣ ሰላማዊ ኣገባብ ዝኽተሉ ኣባላት ህወሓት፣ ማሕበረሰብ ንግዲን ኮሚኒታዊ ትካላት፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦት ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ዝሳተፍሉ ከምዝኾነ" ተገሊጹ ኣሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG