ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ: ኣቶ ስብሃት ነጋን ካልኦት ኣርባዕተ አባላት ኣመራርሓ ሕወሓት ምእሳሮም ገሊጹ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀንዲ ቅያሲ ስትራተጂ ጥፍኣት ንዝበሎ ስብሃት ነጋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ንሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ብሪጋደር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ፡ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝረክብዎም ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓ ሕወሓት ተታሒዞም ኣለዉ።

ስብሓት ነጋ ካብ ዝተሓብኣሉ ኣዝዩ ንወዲ ሰብ ኣጸጋሚ ዝኾነ ሽንጥሮ ጸድፊ ብኣካላት ጸጥታ ክትሓዝ ከም ዝኸኣለ`ውን ንኢዚኣ ዝገለጸ ብሪጋደር ጀነራል ተስፋዬ፡ ኣባላት`ቲ ጉጅለ ንስብሓት ነጋ ተሰኪሞም ኣብ ጸቢብ ሽንጥሮ ብምእታው ሓቢኦሞ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ`ሎ።

በዓልቲ ቤት ስብሓት ነጋ ሌተና ኮነሌል ጻዕዱ ሪች'ውን ኣብቲ እዋን ምትሓዛ ኣፍሊጡ'ሎ።

ካብ ምክልኻል ከዲዖም ዝነበሩ ዝበሎም ኮ/ሌ ክንፈ ታደሰ፡ ኮ/ሌ የማነ ካሕሳይ፡ዝርከብዎም ካልኦት `ውን ከምዝተማረኹ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብዘይካ`ዚ በዓልቲ ቤት መጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ዝነበረትን፡ ኣብ ኣመሪካ ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምላስ ናብቲ ጉጅለ ሕወሓት ዝተጸንበረት ወ/ሮ ኣልጋነሽ መልስ፡ ኣብቲ ናይ ምሓዝ ኦፐረሽን ክተምልጥ ክትብል ናብ ጸድፊ ብምእታዋ ህይወታ ከም ዝሓለፈ፡ ንብርጋደር ጀነራል ተስፋየ ኣያለው ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG