ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተዋፊሮም ንዝበሎም ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ቐይዲ ምእታው ገሊጹ


ከተማ አዲስ አበባ
ከተማ አዲስ አበባ

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ትካላትን 11 ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ኣዘዋወርቲን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታው ኣፍሊጡ።

ፌደራል ኮሚሽን ፖሊስ እቶም ትካላት ይኹኑ ውልቀሰባት ምስ ባንኪ ዝኾነ ይኹን ውዕል ከይሃለዎም ሕጋዊ መሲሎም ክሰርሑ ዝፀንሑ እዮም ኢሉ ኣሎ ።

ናይቲ ኮሚሽን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ጄይላን ኣብዲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቶም ውልቀሰባት ኮኑ ትካላት ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጫት፣ናይ ኣትክልትን ፍረምረን ለኣኽቲ ኢና ብዝብል እዩ ኢሎም።

እቶም ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮምን እቶም ትካላት ድማ ተዓሺጎምን ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎን ኣቶ ጄላን ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG