ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኲናት ንምቕጻል መደብ ከም ዘይብሉ ይሕብር


ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ፈደራላዊ መንግስቲ ናብ መሬት ክልል ትግራይ ኣትዩ ኲናት ክቕጽል መደብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ምክትል ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን’ውን ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንውሽጢ ትግራይ ኣትዮም ክዋግኡ ሸውሃት ከም ዘይብሎምን ነቲ ኲናት ዝውድእሉ መገዲ ኣብ ምንዳይን ከም ዘለዉ ገሊጹ።

እዚ መግለጺ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተዋህበ ንገለ ቦታታት ትግራይ ከም ዝሓዘ ትማሊ ብማዕከናት ዜና ኣብ ዝቃላሓሉ እዋን’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንስለ ሰላም ኢሎም ዝገበሩዎ ምንስሓብ ካብቶም ወረርቲ ዝበሉዎም ኣካላት ተመሳሳሊ ስጕምቲ እንተዘየርእዩ ዝግባእ ግብረ-መልሲ ክህቡ ምዃኖም ኣጠንቂቖም። እቲ ብማእከላይ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ምምሕዳር ንዂናት ኣብ ምቅርራብን ምጥቃዕን ኣለዉ ኢሉ ቀንዲ ዝውንጅሎም፡ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን’ዮም።

XS
SM
MD
LG