ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሓጺር ጊዜ ብትሑት ኪሳራ ክዛዝሞ'የ ኢሉ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሓደ ናይ ሸፋቱ ጉጅለ ዝጀመሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሓጺር ግዜን ብትሑት ክሳራን ክዛዝሞ'የ ኢሉ።

ወሃቢ ቓል ናይቲ ነቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክመርሕ ዝቖመ ኮሚቴ ኣቶ ረድዋን ሑሴን ንሪፖርተራት ክገልጽ ከሎ፥ መንግስቲ ሕገ-መንግስቲ ናይ ምሕላውን ግዝኣተ ሕጊ ናይታ ሃገር ናይ ምኽባርን ግዴታ ኣለዎ ኢሉ።ኣስዒቡ መንግስቲ ነቲ ስራሕ ብዝተሓተ ክሳራ ከምዝፍጽሞ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት ነታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ድሕሪ ምግላጽ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣዚዙ'ሎ።

ካብ ክልል መንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዐ ነገር የለን።

ወሃቢ ቓል'ቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣቶ ረድዋን ሑሴን፥ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘለዎ ንእሽቶ ጉጅለ ዝካየድ'ዩ ኢሉ'ሎ።

ኣተሓሒዙ፥ ህዝቢ ትግራይ'ውን ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ደሞክራሲያውን ሲቪላውን መሰላት ተቛዳሲ መታን ክኸውን፥ እቲ ኩነታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምእታዉ ክነረጋግጽ ኢና ኢሉ'ሎ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ደመቀ መኮነን ብወገኑ፥ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝግበር ዘሎ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ስለዝፈጸመ'ዩ ኢሉ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ'ሎ።

ነቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዘፈጽም ብጠቕላሊ ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም'ውን ኣቑሙ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገም ጥሩነህ፥ ብህወሓት ኣብ ዝኾነ ከባቢ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ናይ ምምካት ዓቕሚ ኣለና ኢሉ።

ብሰላም ናብ ክልል ኣምሓራ ንዝመጹ ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ' ውን ውሕስነት ክንህብ ኢና ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ'ውን ግብኣተ -መሬት ህውሓት ክፍጸም'ዩ ኢሉ። ኣስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ፈደራል መንግስቲ ደው ክብል ጸዊዑ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ ኣዳሙ ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ህወሓት ዝልለየሉ ተንኮሉ፥ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ሰባት ባዕሉ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ፖለቲካዊ ቁማር ምጽዋት ስለዝኾነ፥እቲ ሕብረተሰብ ንርእሱን ንከባቢኡን ክሕሉ ይግባእ ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ምምሕዳራት ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ,:ክልል ሶማል፡ ክልል ዓፋር፡ ክልል ጋምቤላ ኣብ ጎኒ ፈደራል መንግስቲ ደው ከምዝብሉ ዝገልጽ መልእኽትታት ኣሕሊፎም ኣለዉ።

Recommended

XS
SM
MD
LG