ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ዝርከብ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ዕጡቓት ክስሕቦምን ዕጥቆም ከፍትሖምንን ኣለዎ ክብል`ውን ጸዊዑ።
እቶም ከም ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ተባሂሎም ብክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝቖሙ ፍሉያት ሓይሊ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ 48 ኣባይቲ ስድራቤታት ኦሮሞ ከምዘንደዱን እቶም ተወላዶ ኦሮሞ ናብ ጪሮ ዝብሃል ከባቢ ኦሮሚያ ከምዝሃደሙን እቲ ኣህጉራዊ ተሓላቒ መሰል ይገልጽ።
“ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቶም ፍሉይ ፖሊስ ዝብሃሉ ሓይሊ ክብትንዎምን ከጣይስዎምን ብኻልኦት ብኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝግዝኡ ፖሊስ ክትክእዎምን ኣለዎም። እዞም ቀይዲ-በተኽ መኮንናት ንህዝቢ ከምድላዮም ከጋፍዑ ክፍቀደሎም ኣይግባእን” ኢላ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ጁዋን ንያንኩኪ።
ዝሓለፈ ግንቦት 23ን 24`ውን፡ኣባላት`ቶም ፍሉያት-ፖሊስ ዝብሃሉ፡ ኣብ ወረዳ ቺናቅሰን ምብራቕ ኦሮሚያ ንኣርባዕተ ሰፈራት ከምዘጥቅዑን ሓሙሽተ ሓረስቶት ከምዝቐተሉን ኣስታት 50 ኣባይቲ ከንምዘዕነዉን ተገሊጹ`ሎ።
“ሰበ-ስልጣን ነዚ ብመንግስቲ ዝተመወለ ዝመስል መጥቃዕቲ ክዓግትዎ`ለዎም። ክውሰድ ዘለዎ ቀዳማይ ስጉምቲ ኩሉ ስራሕ ፖሊስ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ክኸውን ምርግጋጽ`ዩ። ካልኣይ ድማ እቶም ተሓተቲ ብናጻ ዝኾነ ወገን ከምዝምርመሩ ምግባር`ዩ” ይብል ኣምነስቲ።
ብመሰረት ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ 2017 ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማሊያ ናብ ኦሮሚያ ድሕሪ ምእታው ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም- ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተፈናቒሎም`ዮም።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2004 ዝተገብረን፡ ምሕንጻጽ ዶብ-ክልቲኡ ክልታት ዘነጽርን ረፈረንዶም ክትግብሩ ይጽውዕ። ኣስዒቡንሱ ጥራይ `ዩ ንሱር ውጥረት`ቲ ዞባ ክፈትሕ ዝኽእል ይብል።