ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዝህቦ ድጎማ ብምንካይ ወሰኽ ነዳዲ ጌሩ


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሸጣ ነዳዲ ዘይቲ ዝህቦ ድጎማ ናይ ምንካይ ከይዲ ብምቅፃል ኣብ ናይ’ዚ ዓመት በጀት ንሳልሳይ ጊዜ ወሰኽ ዋጋ ጌሩ’ሎ። በዚ ወሰኽ ዋጋ ንመብሰሊ መግቢ ዝውዕል ጋዝን ከምኡ’ዉን ናፍታን ክብ ዝበለ ወስኽ ክግበር ከሎ ኣብ ቤንዚን ዝተገብረ ወሰኽ ግን መጠነኛ ምኻኑ ተገሊፁ’ሎ።

እዚ ድጎማ 10-ሚልዮን ወጻኢ ከምዝገብረ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ ዝጠቅሙ ውፂኢት ነዳዲ ዘይቲ ተወሳኺ ናይ 2-ቢልዮን ብር ድጎማ ምግባሩ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሕጂ ኣብ ከተማ ዝዓዩ ታክስን ሃገር ዘቋርጹ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ዝ ህቡ ተሽከርከርቲን ተወሳኺ ድጎማ ክግበረሎም’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ወነንቲ ተሽከርከርቲ ግን እቲ ወሰኽ ከም ዝበዝሐን ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዘይቲ’ዉን ፀገም ምህላዉን ይገልፁ። ተረባሕቲ’ቲ ድጎማ ንምኻን ደልዮም ግን ክኮኑ ዘይከኣሉ ምህላዎም’ዉን ተዛሪቦም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG