ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ብዝሒ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትዋ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ደረት ከምዘየለ ገሊጹ


ሚኒስትር ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ -ፋይል
ሚኒስትር ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ -ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ብዝሒ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝውስኖ ዓቅሚ ለገስቲ እዩ ኢሉ ።

ሚኒስትር ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ናብ’ቲ ክልል ናይ ዝኣትዋ ብዝሒ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝተቀመጠ ደረት የለን ኢሎም።

ዶ/ር ለገሰ ቱሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ረድኤት እኽሊ ሸሚቱ ናብ’ቲ ክልል ናይ ምእታው ግዴታ ኣለዎ ንዝብል ክሲ ሓደ ባዓል ስልጣን እቲ ክልል "መንግስቲ ኣብ ካልኦት ክልላት’ውን ብዝራኣይ ጠለብ ተመርኪሱ፣ ዓቅሚ ብዘፍቀደ ምቅራብ ክቅጽል እዩ" ክብሉ መልሶም ኣለው።

ረድኤት ብኣግባቡ ንክባጻሕ መታን፣ ብወገን ህወሓት ግጭት ደው ከብል ኣለዎ ዝበሉ ዶ/ር ለገሰ፣ ህወሓት ቃሉ ይትግብር የለን ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ረድኤት ዝጻዓና 21 መካይን ብሰላም ኣትየን ከምዝተራገፋ፣ እንተኾነ ዕለታዊ 300 መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ይግባእ" ኢሎም ነይሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ረድኤት ዝጻዓና መካይን ናብ ትግራይ ንክኣትዋ ዝላዓለ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ዝጠቅስ እንተኾነ፣ ዶ/ር ኣትንኩት ግና ነዚ ብምንጻግ፣ ተራ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንመካይን ካብ ምሕላፍን ዘይምሕላፍን ሰጊሩ፣ ረድኤት እኽሊ ሸሚቱ ክሳብ ምቅራብ እዩ ክሰርሕ ዝግበኦ ነይሩ ምባሎም ይዝከር።

ዶ/ር ለገሰ ግና ንርእይቶ ዶ/ር ኣትንኩት ኣይተቀበልዎን።

XS
SM
MD
LG