ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቕትለት አባላት ሓካይም ብዘይ ዶብ መልሲ ክህብ ፕረዚደንት'ቲ ትካል ጸዊዓን


ፕረዚደንት ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ ኣብ ስፔን ፓውላ ጊል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮነ ኢሎም ንሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ምቕታሎም ንዝወፀ ፀብፃብ ዘ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ(The NewYork Times) መልሲ ክህብ ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ ፀዊዐን።

እቲ መግለፂ እታ ጋዜጣ ኣብ 24 ሰነ 2021 ዘጋጠመ መቕተልቲ ሰራሕተኛታት ማሪያ ሀርናንደዝ፣ቴድሮስ ገብረማሪያምን ዮሃንስ ሓለፎምን ቀጥታዊ ትእዛዝ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሓዊሱ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምክልኻል ሓላፍነት ከምዝወስዱ ጸብጺቡ'ሎ ይብል።

"ሓካይም ብዘይ ዶብ(MSF) ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ሞት መሳርሕትና ንምፍላጥ ብዘይምቁራፅ ክፍትን ፀኒሑ" ዝበላ ፓውላ ጊል ኣብ ኣደባባይን ኣብ ክልትኣውን ኣጋጣሚታት ኣብቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ ከባቢ ምስ ዝነበሩ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፅምዶ ምፅንሐን ገሊፀን።ውፅኢት ምርመራ ናይ ክልቲኦም ወገናት ንስድራታት ማሪያ፣ቴድሮስን ዮሃንስን ከፍልጡ ክንሓትት ፀኒሕና ግን ክሳብ ሎሚ ናብ መቕተልቲ ዘምርሐ ኩነታት ዝምልከት ንጹር ነገር የለን ኢለን።

ንሰን ወሲኸን ኣብ መግለፂአን በዚ መሰረት ነቲ ኣብታ ሕማቕ መዓልቲ ዝተፈፀመ ነገር ካብ ኩሎም ኣካላት መብርሂ ንደሊ ኢና ኢለን።

ፓውላ ጊል ተመሳሳሊ ዘሕዝን ቅትለት ከይድገም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናይ ሕክምና ክንክንን ሓገዝን ዘቕርቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ድሕነት እኹል ስጉምቲ ብቕልጡፍ ክትግበር ኣለዎ ኢለን።

ፕረዚደንት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ፓውላ ጊል"ናይ ማሪያ፣ቴድሮስን ዮሃንስን ዝኽሪ፣ስቓይ ናይ ቀረባ ስድርኦምን መሳርሕቶም መፀናንዕን መዕፀውን የድልዮ እዩ፤መልሲ ንደሊ ኢና"ኢለን።

XS
SM
MD
LG