ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ድሕሪ ዘጋጠመ ህውከት ዝተአሰሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዘለውዎ ቦታ ከፍልጥ ኣምንስቲ ጸዊዑ


ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ተቓውሞን ናዕብን 29 ሰነ ዝኣሰሮም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዘለውሉ ቦታ ከፍልጥ ጸዊዑ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ፖሊስ ብውሕዱ 5,000 ሰባት ከምዝኣሰረ ዝገልጽ ኣምነስቲ፥ ብዙሓት ካብኦም ኣብ ዝተኣሰርዎ ከምዘይፍለጥን ምስ ፈተወትን ቤተሰብን ርክብ ከምዘይብሎምን ጠቒሱ።

ካብ መንጎ`ቶም ዝተኣሰሩ ከም ኣቶ ጃዋር መሓመድን እስክንድር ነጋን ዝበሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝጠቐሰ ኣምነስቲ፥ መንግስቲ ብዛዕባ`ቶም ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ዝተኣስሩ ሰባት ሓበረታ ብዘይምሃቡ ኣብ ቤተሰቦም ጭንቀት የስዕብ ኣሎ ኢሉ።

ከምኡ ኣገደስቲ ሰበ-ስልጣን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከም በዓል ሚካኤል ቦረን፥ ሺጉጥ ገለታ፥ ለሚ በንያ፥ ቀነሳ ኣያናን፥ ኮ/ል ገመቹ ኣያናን ዝበሉ ኣበይ ከምዝኣተዉ ጠበቓታቶም ከምዘይፈልጡ ሓቢሩ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስታዊ ኣካላት ብዘይኮኑ ኣካላት ዝተፈጸሙ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጌሩ ክወስዶ ከምዘይክእል ላዕላዋይ ኣጽናዓይ ኣምነስቲ ኣቶ ፍስሃ ተክለ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ ዘርብኡ ከምኡ ዝበሉ ጉዳያት ብሕጊ-ታ ሃገር ዝርኣዩ ናይ ገበን ጉዳያት`ምበር ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣይኮኑን ኢሉ`ሎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG