ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ትግራይ ዝጸንሓ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ትግራይ ምስግጋሩ ይገልጽ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ኣብ ሰሜን ትግራይ ዝጸንሓ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ደቡብ ትግራይ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ይዘዋወሩ ምህላዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ።

ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝወረደ ጉድኣት ኣብ ቀረባ ብቁፅሪ ንምቅማጥ ከምዝፍትን ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ገሊፁ ።

ይኹን 'ምበር ዋላ እኳ እቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ሓገዝ እንተዘይጎደለ ምስቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ እቶም ስደተኛታት ስግአቶም ይውስኽ ምህላዉ ዳይሬክተር ትካል ስደተኛታት ተመለስቲ ስደትን ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ተዛሪቦም ።

ብኻልእ መዳይ ጉዳይ ስደተኛትታ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ዓ/ም ኣብ መላእ ዓለም ብዝለዓሉ ጎንፅታት ምኽንያት ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ብዝሒ ስደተኛታት 82.4 ሚልየን ምዃኑ የመልክት ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG