ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝዝትይ ጉጅለ ምምዛዙ ኣፍሊጡ


ዶ/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ -ፋይል
ዶ/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ -ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ንዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝዝትይ ጉጅለ ምምዛዙ ሓቢሩ።

ብልጽግና ፓርቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል'ታ ሃገር ንዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ዝኽተሎ ናይ ሰላም ኣማራጺ ሃገራዊ ጥቕሚ ዘኽብርን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝዳለውን ክኸውን ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

ናይ ብልጽግና ፓርቲ ማእከላይ ኮሚቴ አባል ዝኾኑ ዶ/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ብልጽግና ፓርቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝኽተሎም ናይ ሰላም ኣማራጺታት ሕገ መንግስቲ ዘኽበረ ንሃገራዊ ጥቕሚ ብዘኽብር መንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘዳለዎ መንገዲ ክካየድ ናይቲ ፓርቲ ማእከላዊ ኮሚተን አካያዲ ስራሕን ሓቢሩ'ሎ ኢሎም።

በዚ መሰረት ብወገን ፈደራል መንግስቲ ኣብቲ መስርሕ ሰላም ዝዛተይ ጉጅለ ምምዛዙ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ዝበጽሖም ሓበሬታ ይገልጽ።

አባላት'ቲ ጉጅለ ኣቶ ደመቀ መኮንን: ዶ/ር ጊድዮን ጢሞቲዮስ: ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ: ኣምባሳደር ሀሰን ዓብዱልቃድር: ኣምባሳደር ሬድዋን ሀሰን: ሌ/ጀነራል ብርሃኑ በቀለ ዶ/ር ጌታቸው ጀምበር'ዮም።

XS
SM
MD
LG