ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕለዋይ ልኡኽ ዘተ-ሰላም ዘለዎ ቅሬታ ይገልጽ


ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን
ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣመሪካን ካልኦት ኣምባሳድራት ሃገራት ኤውሮጳን መቐለ በጺሑ ድሕሪ ምምላሱ በቲ ዝተኸተሎ ኣገባብን ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺን ከም ዘይተሓጐሰ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ገሊጹ።

ነቲ ጕጅለ ዘይዕበቱ ከም ዝገለጸሉ ዘመልከተ ናይ ትዊተር መልእኽቲ እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ክንዲ ንዘተ ዘመልክት ጉዳያት ዘቐድም በቲ ክልል ዝተዋህቦ መልእኽቲ ተሰኪሙ መጺኡ ክብል ወቒሱ። ዝርዝር ናይቲ ዝጠቐሶ ዘይዕግበት ግን ኣብቲ ዝለጠፎ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣየቐመጠን። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቐሶ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዛት ድሮ ይስርሓሉ ምህላዉን መንግስቲ ድማ ንዕኡን እንኮላይ ሕቶ ነዳዲ እቲ ክልልን ምምላሱ ኣምባሳድር ሬድዋን ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ይገልጽ።

እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ እንኮን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣቱን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ክልል ትግራይ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ጉጅለ ድሕሪ ምምስጋኑ ዝተዛራረቡሉ ወሰንቲ ጉዳያት ዘርዚሩ። እቲ ክልል ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ዝጠቐሰ መግለጺ፡ ግዜ ዘይህብ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቀድ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ንመሬት ክልል ትግራይ ሒዞም ዘለዉ ሓይልታት ክወጹን ዝብሉ ኣርእስታት ኣብቲ ዘተ ምልዓሎም ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG