ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ኣባላት ላዕለዎት መሪሕነት ህውሓት ተደሚሲሶም' ክብል ኣፍሊጡ


ላዕለዋይ መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሩ ኣቶ ስዩም መስፍንን ኣቶ ኣባይ ፀሃየን ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ሓላፊ ክፍሊ ወፍሪ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ኣማስዮም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ስዩም መስፍን ነቲ ኵናት ምምርሖም፣እቲ ሰራዊት ካብ ቦታ ቦታ ከይንቀሳቐስ ምእዛዞምን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኵናት ክኽፈት ምእዛዞምን እቶም ጀነራል ገሊፆም።

ምስ ሓለውቶምን ወታደራዊ ኣዘዝቶምን ተደምሲሶም ካብ መንጎ ዝተባህሉ ኣባል ላዕለዋይ መራሕነት ህወሓት ዝኾኑ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሴን ኮነሬል ኪሮስ ሓጎስን ከምዝርከቡዎም ተሓቢሩ ኣሎ።

ካልኦት ኣርባዕተ ወታደራዊ ኮነሬላትን ሓደ ስቪልን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG