ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ አባላት መሪሕነት ዞባ ወላይታ ሓዊሱ 25 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ተገሊጹ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓትን ኦነግን ተመሳጢሮም ሃገር ንምፍራስ ይሰርሑ ኣለው ዝበሎም አባላት መሪሕነት ዞባ ወላይታ ሓዊሱ 25 ሰባት ኣብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ዋና ከተማ ናይቲ ዞባ ሶዶን ቦዲትን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን መናእሰይ ብዝተፈጠረ ግጭት ኣስታት 10 ሰባት ከምዝሞቱ ናይ መሰኻኽር ዓይኒ ንንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ነበርቲ ናይተን ከማታት ሓይልታት ምክልኻል ነተን ከተማታት ከምዝተቆፃፀሩወን ወለይታ ሰዶ ምስ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘራኽቡ ጎደናታት ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ከምዝዓፀወን ነበርቲ ሓቢሮም ኣለው።

ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ክልል ደቡብ ኣቶ ኣለማየሁ ባውዲ ነቲ ካባቢ የረጋግኡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ሰለስተ መናእሰይ ብዝተተኮሶም ጥይት ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምዕፋን ዝግበር ፃዕሪ እዩ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ መንግስቲንዝቐርብ ክሲ ብምንፃግ ንሕቶ ህዝቢ ጠሊፎም ነቲ ዞባ ንምህዋክን ሰላም ንምኽላእን ዝደልዩ ኣካላት ንምፍሻል ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ኢሎም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG