ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ


ኢትዮጵያዊያን ኣፍ ደገ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድዎ ሰልፊ

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተካይዶ ካብ ዘሎ ተፅዕኖ ክትዕቀብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ክፍፀም ይኽእል እዩ ብዝብል ኤምባሲ ኣመሪካ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መረዳእታ ዘይተመስረተ እዩ ክብሉ ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ከበደ ዳሲሳ ገሊፆም።

ንድምጺ ኣመሪካ ብፅሑፍ መልሲ ዝሃቡ ሓደ ብዓል ስልጣን እቲ ኤምባሲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ድሕነት ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ቀዳምነት ዝህበሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣመሪካዊያን ክወፁ ምትሕስሳብና ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና መንግስቲ ኣመሪካ ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ የካይዱዎ ኣለው ዝበሉዎ ጣልቃ ምእታው ብምቅዋም ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ኤምባሲታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ድምፆም ኣስሚዖም ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG