ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣስታት 3-ሽሕ ዕጡቓት ኣብ ቐይዲ ምእታው ይገልጽ


መንግስቲ ኢትዮጵያ 3,180 አባላት እሸኔእ ክብል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታው ኢዶም ዘይሃቡ ድማ ምድምሳሱ ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ደሕንነትእታ ሃገር ሎሚ ቅነ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ
ኣመራርሓእቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ዝዓለመ ስጉምቲ ኵሰድ ምውሳኑ ምኽትል ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን።
ንሰን ኣብ ሞያሌ ኸኣ ምኽትል ኣዛዚ ደቡብ እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ምትሓዙ ወሲኸን ሓቢረን።

ዓለምለኸ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓታትና ስጉምቲ ክወሰድ ከም ዝወጠነ ሓበሬታ በጺሑና ኔሩ፣ መንግስቲ ዝሓዞ ሓይሊ ኾነ ስጉምቲ ዝተወሰዶ ኣባል ሰራዊት ናጽነት ግን ኦሮሞ የለን ኢሉእሎ ።​
XS
SM
MD
LG