ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተጋሩ ይኣስር'ሎ' ክብል ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ


"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኣሻሓት ተጋሩ ‘ከዳዓት’ ኢሉ ናብ ቤት ፍርዲ ከየቅረበ ንኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ስፍራታት ከምዝዳጎኖም" ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩሓቢሩ።

እቶም ዝተዳጎኑ ሰባት፣ ስድራቤቶምን በጻሕቶምን ከምዝብልዎ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተጋሩ፣ ብውሑድ ናብ ትሻዓተ ከባቢታት (ንወትሃደራዊ ካምፕታትን ኮሌጅ ሕርሻን ሓዊሱ) ከምዘእተውዎም ክጠቅሱ ከለው፣ ሓደ ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ መኮንን፣ ንኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ‘ምስ 400 ተጋሩ ተታሒዙ ከምዘሎ፣ ምስ ጠበቃታትን ስድራቤትን ንክራኸቡ ከምዘይፍቀደሎም’ ጠቂሱ።

"ሓደ ካብ’ቶም ዝተዳጎኑ፣ ኣባል ዓቃቢ ሰላም ኮይኑ አብ ጎረቤት ሃገር ዘገልገለ፣ ናብ ሃገሩ ምስተመለሰ ግና ከምዝተታሓዘ፣ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ተፈቲሑ ነይሩ፣ እንተኾነ ‘ኣብ’ታ ሃገር ዘይነበረ ከንሱ ‘ዕግርግር ፈጢርካ’ ተባሂሉ ናብ ወትሃደራዊ ካምፕ ከምዘእተውዎ" ንወዱ ዝጠቀሰ ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ክቐርብ'ዩ::

XS
SM
MD
LG