ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣውነት ክብል ግጭት ደው ናይ ምባል ውሳነ ምሕላፉ ኣፍሊጡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣውነት ክብል ግጭት ደው ንምባል ምውሳኑ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ድጋፍ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝተሳለጠ ቐረባት ንምብጻሕ ተወሳኺ ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልኪቱ`ሎ።

ኣብዚ ሰዓት`ዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ደልዮም ናብ ጎረባብቲ ክልላት ይጉዓዙ ምህላዎም ዝገለጸ`ቲ መግለጺ፡በዚ መሰረት ኣብ ዝለዓለ ሽግር ዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓንን ምክልባት ዜጋታት ንምንካይን ካብዚ ሰዓት`ዚ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ግጭት ደው ናይ ምባል ውሳነ ምሕላፉ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣተሓሒዙ፡ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝሰለጠ ኣገባብ ንክበጽሕ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተሓባቢሩ ንምስራሕ ድልው ምዃኑ`ውን ብምጥቃስ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዕላምኡ መታን ክበጽሕ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቓት ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ክቑጠቡን ካብቲ ብሓይሊ ሒዞሞ ዘለዉ ከባብታት ጎረቤት ክልላት ክወጹን ንጽውዕ ይብል።

እቲ ሎሚ ብሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ እዚ ንሰብኣውነት ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ውሳነ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ንሰብኣዊ ኩነታት ከመሓይሽን፡ ብእኡ ኣቢሉ`ውን ኣብ ቀጻሊ ብዘይ-ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ነቲ ግጭት ፍታሕ ከምጽእን ተስፋ ንገብር ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG