ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕጽረት ነዳዲ ክልል ትግራይ 'ጽውጽዋይ/ፈጠራ'ዩ ይብል


 ፋይል - ሰመራ ኢትዮጵያ
ፋይል - ሰመራ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ ዝበሃል ሕጽረት ነዳዲ ይነጽግ።

ኣብዚ ሰሙን ሓደ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ብምፍፃም ሕፅረት ነዳዲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ከይቐርብ ይገብር ኣሎ ኢሎም።ንድምጺ ኣመሪካ መልሲ ዝሃበት ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ግን ኣብ ትግራይ ሕፅረት ነዳዲ ኣሎ ዝብሃል 'ጽውጽዋይ/ፈጠራ'ዩ ኢላቶ ኣላ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጀነዝ ለናርቺች ተወላዶ ትግራይ ብሰንኪ ዝቐፀለ ዕፅዋ ዝኣክል ተሳቒዮም እዮም ኢሎም።

ንሶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መግቢ ሒዘን ናብ ከተማ መቐለ ዝኣተዋ ናይ ፅዕነት መካይን ንህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ሰብኣዊ ድልየት ክሽፍን ናብ ዝኽእል ደረጃ በፂሑ ኣሎ ኢሎም።

ይኹን እምበር ፃዕርታት ረድኤት ንምምላእ ሰራሕተኛታት ረድኤት እቲ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ንምቕራብ ነዳዲ የድሊ እዩ ኢሎም።

"ብፍላይ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዝተነብረ እገዳታት ክልዓል ኣለዎ።ተወሳኺ ነዳዲ የድሊ እዩ ምኽኒያቱ ብዘይካ ነዳዲ ዋላ እውን ኣብ መቐለ ዝኣተወ መግቢ ብዝለዓለ ደረጃ ኣድላዩ ናብ ዝኾነሉ ገጠር ከባቢታት ምብፃሕ ኣይክእልን።ስለዝኾነ ኣብ ከተማ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መኽዘናት መሊኡ ኣብ ገጠር ዘለው ሰባት ግን ሕጂ እውን ጠምዮም ዘለውሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።"

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ጫፍ ዓፀቦ ሚሊዮናት ድማ ተፀበይቲ ረድኤት መግቢ ክኾኑ ገይሩዎም።

ጀነዝ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቀረባት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይባጻሕ ዝዕንቕፍ ዝገብር ዘሎ ፋይናንሳዊ እገዳታት ከልዕል ፀዊዖም።ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ንሓደ ዓመት ደመወዞም ከምዘይተኸፈሉ ወሲኾም ገሊፆም።

"ምዕፃው ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፣ባንኪ ወታሃደራዊ ኣድላይነቱ ኣይተርኣየንን ዘሎ።ብተፃራሪ እዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ብዘይምድንጓይ ናብቲ ዝነበሩዎ ክምለሱ ከምዘለዎ እዩ እምነትና።ምኽኒያቱ ብቐዳምነት ንረብሓ ሰላማዊያን ሰባት ክሕለው ኣብ ግምት ዝኣትው እዮም።እዞም ኣገልግሎታት እተዘይሃሊዮም ኣብቲ ክልል ንሰብኣዊ ኩነታት ዘጋድዱ እዮም።"

ይኹን እምበር ፌደራል መንግስቲ ብፍላይ ነዳዲ ተኸልኪሉ እዩ ንዝብል ይነፅጎ።ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ቢልለኔ ስዩም እቲ ዘሎ መረዳእታ ዝሕብሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 167,000 ሊትሮ ዝፀዓና ሰለስተ መካይን መቐለ ምእታወን ሓቢራ።

ንሳ ብምውሳኽ ካብ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ብድምር ልዕሊ 920,000 ሊትሮ ነዳዲ ናብቲ ክልል ተላኢኹ ኣሎ ኢላ።

"ስለዚ ሕፅረት ነዳዲ ኣሎ ዝብሃል ጽውጽዋይ/ፈጠራ ንካልእ ዙር ወታሃደራዊ ግጭት ንምድላው ወታሃደራቱ ናይ ምንቅስቓስ ዓቕሙ ንምሕያል ዝተሓብአ ኣጀንዳ ህወሓት እዩ።ስለዝኾነ ናይ ነዳዲ እገዳ ዝብሃል የለን።ከምዚ ዝበለ ኣብሃህላ እቲ ሓቂ ኣብ ግምት ብምእታው ብንፁር ክግምገም ኣለዎ።"

ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝኣተወ መጠን ረድኤት ንድልየት እቲ ክልል ዘማልእ ኣይኮነን ክብል ኣብ ቲዊተሩ ብተደጋጋሚ ይገልፅ።ካብ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 770,000 ሊትሮ ነዳዲ ጥራሕ ከምዝተፈቐደ ይግለፅ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኹዎ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ መንግስቲ ኣብይ ንሓቅታት የዛብዕ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።ኣብ ትግራይ ዘየድሊ ናይ ፍተሻ ኖቕጣታት ብምጥያስ ወይ ካልኦት ዕንቅፋታት ብምፍጣር ብሕፅረት ነዳዲ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ንምዕንቃፍ ዝተቐመጡ ማሕለኻታት እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG