ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ጽልኢ ዘረባን ወረ ሓሶትን ዝቆጻጸር ዘይሻራዊ አካል ከቕውም ሓደ ኣሜሪካዊ በዓል ሞያ ጸዊዑ


ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝወጽእ ናይ ጽልኢ መልእኽትታትን ናይ ሓሶት መረዳእታታትን ንምቁጽጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይሻራዊ ዝኾኑ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝቃደውን ሓያል ሕግታት ከውጽእ ኣለዎ ክብል ሓደ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ሓቢሩ።

ፕሮፌሰር ደቪድ ኬይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎንያ መምህር ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ሎሚ ቅነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ተረኺቡ ምስ ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝነጥፉ ውልቀሰባት ዘካየዶ ልዝብ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ናይ ሓሶት ወረታትን ብዝምልከት መደረ ኣስሚዑ።

እቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ መድረኽ ምስቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምቁጽጻር ናይ ጽልኢ ዘረባን ሓሶት ወረን ንምርቓቅ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ተጋጢሙ’ሎ።

ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝወጹ ናይ ጽልኢ መደረታትን ናይ ሓሶት ሓበሬታትን ንምቁጽጻር ብዲሞክራሲ ዝበልጸጋ ሃገራት ዝጠቀማሉ ኣገባብ ከም ተመክሮ ምውሳድ ይክኣል’ዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG