ኣዲስ ኣበባ —
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ ናይ ሰላም ኣማራጺ ዓቢይ ኮሚቴ፡ ናብ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ከብጽሕ ዝኽእልን ንቀጻሊ ፖለቲካዊ ልዝብ መሰረት ከንጽፍ ዝኽእልን ናይ ሰላም ሓሳብ ምጽዳቑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚቴ ነቲ እማምኡ ብዝምልከት ንማሕበረሰብ ዓለም መብርሂ ምሃቡ`ውን ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ።
ነቲ መግለጺ ተኸቲሉ ብትዊተር ምላሽ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ንሓይልታትና ኣብ ዝትኹትኹሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ናይ ሰላም ኮሚቴ ዝብሃል ኣካል ንማሕበረሰብ ዓለም ንምግጋይ ዝተለምደ ናይ መደናገሪ ጸወታ`ዩ ክብል ምላሽ ሂቡ።
እቲ ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከብጽሕ ዝተባህለ ሰነድ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ ነጥብታት ኣይተገልጸን፡ እንተኾነ፡ ኣብ ዝቕልጠፈ እዋን ናብ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዘቕርብ እቲ ኮሚቴ ኣፍሊጡ`ሎ።
ይኹን`ምበር ኣብ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉ ዝገልጽ ህወሓት፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ዝተፈላልዩ ዓለምለኸ ኣካላት`ውን ኣብቲ ዘተ ክሳተፋ ከዝደልይ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ መንግስቲ ድማ ነዚ ይነጽግ።