ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሜሪካ ንዝቐረበ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ጻዉዒት ምንጻጉ ተገሊጹ


ልኡኽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ክሪስ ኩን ‘ኣብ ክልል ትግራይ ተኹሲ ደው ምባል ክእውጁ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘቅረብዎ ለበዋ ተቀባልነት ከምዘይረኸበ" ተፈሊጡ።

ሴነተር ክሪስ ኩን "ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክትግበር ከምኡውን ብዛዕባ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ቅርጺ ትግራይ ብቅልጡፍ ልዝብ ንክካየድ ደፊኤ ነይረ ግን ቀ/ሚ አብዪ ኣይተቀበሎን" ኢሎም።

ኣብ’ቲ ውግእ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቀቲሎም፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መነባብርኦም ተፈናቂሎም እዮም። ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ከምዝገልጽዎ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ዝተፈናቀሉን፣ ማሲኖምን ተሰናቢዶምን፣ እታ ኣብ ዝባኖም ዘላ ክዳን ጥራሕ ለቢሶም ይራኣዩ’። ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ተደፊረን እየን።

'ውግእ ኣብ ትግራይ’ ምምሕዳር ባይደን ‘ዝስዕቦ ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ቆላሕታ ዝገብር እንተኾይኑ ዝብዳሃሉ ክስተት’ ኮይኑ ኣሎ።

ሴነተር ኩን ኣብ ዘረበኦም "ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ንሓሙሽተ ሰዓታት ከምዝተዘራረቡ" ጠቂሶም ኣለው። ብዘይካ'ዚ፣ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ሰበ ስልጣን፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ማሕበረ ሰብ ዲፕሎማሲን ከምዝተራኸቡ’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ኣሜሪካዊ ሴነተር ክሪስ ኩንስ "ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ካበየናይ ወገን ምኳኑ ብዘየገድስ፣ ፈጻሚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ክሕተትሉ እዩ" ምባሉ ሰናይ ኣባሃህላ ክብሉ ተቀቢሎምዎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ትግራይ ንስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ወፊራ ዝነበረት ኣተሓባባሪት ሕቡራት ሃገራት ዋፋ ሳዒድ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቅረበቶ ሪፖርት "ጉዳያት ሓለዋ ቀዳምነት ክስራዕ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ" ኢላ።

ዋፋ ሳዒድ ኣብ ዘቅረበቶ ሪፖርት "ደቂ ኣንስትዮ ብኣባላት ሰራዊት ከምዝተደፈራ፣ ብጉጅለ ኮይኖም ከምዝደፈሩወን፣ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቤተሰብ ንክድፈራ ከምዝተገብረ፣ ደቂ ተባዕትዮ ንኣባላት ቤተሰቦም ንክደፍሩ ከምዝተገደዱ" ገሊጸናልና ትብል።

XS
SM
MD
LG