ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 አምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃሉ ንክሕሉ ጸዊዑ 


ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ’ቲ ብሰንኪ ውግእ ይሳቀ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክባጻሕ ክንፈቅድ ኢና ኢሎም ንዝኣተውዎ ቃል ንክትግብሩ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

ዳይረክተር አምነስቲ ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሳራ ጃክሰን ሎሚ ኣብ ዝዘርገሐቶ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ሓገዛትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ናብ ህዝቢ ትግራይ ንክባጻሕ ክንዲ ዝካኣሎም ንክገብሩ ኣዘኻኺራ።

"መጠን እቲ ሓደጋ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ካብ ኮነ" ይብል አምነስቲ ኢንተርናሽናል "ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ዝኣተውዎ ውዕል ድሕር ክብሉ ኣይግባእን፣ ኣብ’ቲ ውግእ እጀታ ዘለዎም ሓይልታት፣ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊታት ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይጸገምን ብቅልጡፍን ንክባጻሕ ክዓዩ" ሓቲቱ ኣሎ።

ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብሰንኪ ምቁራጽ ኢንተርኔትን ተሌፎንን፣ ኩነተ ቃንዛ ህዝቢ ትግራይ ሕቡእ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ኣምነስቲ ጠቂሱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG