ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ቀቲለዮምን ማሪኸዮምን ንዝብሎም ኣባላት ህወሓት’ ገሊጹ 


ሴኩቱሬ ጌታቸው
ሴኩቱሬ ጌታቸው

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ (ኢዜአ) ሎሚ ዝዘርገሖ ዜና ‘ንሰሜን እዝ ኣብ ውሽጢ 45 ደቂቃ ብመብረቃዊ መጥቃዕቲ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ገይርናዮ' ዝበለ ‘ወሃቢ ቃል’ ዝነበረ ንዝብሎ ሰኩቱሬ ጌታቸው ሓዊሱ ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ከምዝተቐትሉን ትሸዓተ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝዋዓሉን ሓቢሩ።

ንብርጋዴር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው ዝጠቅስ ኢዜአ ‘ሴኩቱሬ ጌታቸው ምስ ሓላፊ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ዘርኣይ አስገዶም፣ ኣካያዲ ስራሕ ድምጺ ወያነ ዝነበሩ ኣቶ ኣበበ ገ/መድህን፣ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ ዝነበሩ ኣቶ ዳንኤል አሰፋ ተቀቲሎም’ ይብል።

ኢዜአ ብዘይካ'ዚ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ’ቲ ክልል ዝነበራ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ፣ ሓላፊ ማረት ዝነበሩ ኣቶ ተክለወይን አስፋ፣ ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ዝነበሩ ኣቶ ገብረመድህን ተወልደ፣ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ዝነበሩ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ ደስታ፣ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣምባሳደር ኣባዲ ዘሞ፣ ፕረዚደንት አመራርሓ አካዳሚ መለስን ሓላፊ ቦርድ ኢፈርትን ዝነበሩ ኣቶ ቴዎድሮስ ሓጎስ፣ ኣማኻሪት ሕጊ ቤት ምክሪ ዝነበራ ወ/ሮ ምህረት ተኽላይን ሓላፊ ግዝኢት ንብረት ዝነበሩ ኣቶ ብርሃነ አደም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም ይብል ።

እንተኾነ ካብ ህወሓት ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ ወይካኣ መረጋገጺ ኣብ ኢድና ኣይበጽሐን ከምኡውን ካብ ናጻ ወገን መረጋገጺ ይኹን ከምዘይተፈጸመ ሓባሪ ነገር ኣይረኸብናን።

XS
SM
MD
LG