ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ንምቁጽጻርን ጸሊም-ዕዳጋ ንምጉዳልን መምርሕታት የውጽእ


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ንምቁጽጻርን ጸሊም-ዕዳጋ ንምጉዳልን ተኸታታሊ መምርሕታት የውጽእ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ይናገር ደሴ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ክልል ሶማልያ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከባ ገለ ባንክታት ንጥፈታተን ከጉድላ ተኣዚዘን ኣለዋ ኢሉ። በዚ መሰረት ኣብተን ባንክታት ዝግበር ምእታውን ምውጻእን ገንዘብ ክድረት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ሓዲሽ መምርሒ ኣብ ካልኦት ከም መተማ:ጎንደር:ዱብቲ: ዓፋርን ዝበላ ከተማታት`ውን ተግባራዊ ከምዝኸውን እቲ ኣመሓዳሪ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ግን፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ ብዕዳጋ ዝውሰን ሸርፊ ገንዘብ ክትኣቱ`ያ ክብል ኣቶ ይናገር ደሴ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG