ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዘተ ሰላም ንምክያድ ዝከኣሎ ኩሉ ጻዕርታት ከካይድ'ዩ" ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዴ


"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዘተ ሰላም ንምክያድ ዝከኣሎ ኩሉ ጻዕርታት ከካይድ'ዩ" ክብላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓቢረን።

እተን ፕረዚደንት ነዚ ዝበላ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ድሕሪ ምንውሑ'ዩ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተጀመረ ናይ ህዝቢ ተወከልትን ናይ ፈደራል ቤት ምክሪ ተወከልቲ ሓባራዊ ኣኼባ መኽፈቲ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዓ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ መንግስቲ ንዝካየዱ ምትዅታኽ ስጉምቲ ምውሳድ ክቕጽል'ዩ ኢለን።

ህወሓት ብወገኑ "ነቲ ምትዅታኽ ኾነ መጥቓዕቲ ብሰፊሕ ዘካይድ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ" ክብል ይከስስ።

ብስም ወታሃደራዊ ማእከላይ እዚ (ትግራይ ሰንትራል ኮማንድ) ዝወጸ መግለጺ ካብ ትማሊ ብቐዳም 9 ጥቅምቲ ኣትሒዙ፡ ዝተወሃሃደን ተደራራርቢን መጥቃዕቲ ብወገናት ራማ፡ ዛላምበሳ፡ ጾሮናን ይወርዶም ከም ዘሎ ይሕብር።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ሓይልታት ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ኤርትራ ኣብ ዘዋስና ዓድታት ራማን ዓዲግራትን’ውን ተደጋጋሚ ደብዳብ ከቢድ-ብረት ብምፍጻም ሰላማውያን ዜጋታት ቀቲሉን ኣቝሲሉን ክብል ከሲሱ። እቲ መግለጺ ብዝሒ ቍስላትን ምዉታን ኣየቐመጠን።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሓድሽ መግለጺ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ዛጊት ኣይረኸብናን። ብወገን ኤርትራ’ውን ተመሳስሊ ዝተረኽበ ምላሽ የሎን። እንተዀነ፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብቐዳም 8 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ ግጭት ትግራይ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምምልካት፡ ህወሓት ግን ኣቓልቦ ንምስሓብን ወገን ንምኽሳብን ኣህጉራዊ መልክዕ ንምውሃብ ይጽዕር ኣሎ ኢሉ።

Recommended

XS
SM
MD
LG