ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ክላዘብ ቅሩብ ምዃኑ ኣምባ.ሬድዋን ገሊጾም


ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን (ፋይል)
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን (ፋይል)

"ምስ ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ህወሓት ንክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ልዝብ፣ ኣብ ዝኾነ ስፍራን ጊዜን ንምክያድ ቅሩብነት ከምዘሎ" ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊጾም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ወሲኾም መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጻሓፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ "ንቅድመ ኩነታት ኣይንቅበልን" ኢሎም።

ኣብ ቀረባ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ናብ ልዝብ ሰላም ቅድሚ ምእታው፣ ክማልኡ ኣለዎም ዝብልዎም ኩነታት ከምዝጠቀሱ ዝዝከር እዩ።

ዶ/ር ደብረጽየን ንመስርሕ ሰላም ብቀንዱ ዝመርሕዎ ኣመሪካዊያን ከምዝኾኑ፣ እቲ ልዝብ ቅድሚ ምጅማሩ ግና፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ተመሊሶም ክኽፈቱ ከምዝግባእ፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ልዝብ ንምስታፍ ቅሩባት ምዃኖም፣ ነቲ መስርሕ ይከታተሉ ኣለው ንዝበልዎም ኣመሪካዊያን፣ እቶም ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝጅምርሉ ጊዜ ንክግለጸሎም ከምዝሓተቱ ሓቢሮም ነይሮም። ኣመሪካ ግና ዛጊት ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ትሬሲ ጃኮብሰን ብወገነን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ልዝብ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምስላጡ፣ ሃገረን ትድግፍ እያ ከምዝበላ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG