ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት መብርሂ ሂቦም


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ካብ ብኣባላት ባይቶ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣብ ዝሃብሉ መንግስቲ ምስ ህወሓት ክላዘብ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ክሳብ ሕጂ ይላዘቡ ኣለዉ ዝብል ወረ ግን ሓሶት ምዃኑ ኣፍሊጡ። ቀ/ሚ ኣብይ ወሲኹ "ክሳብ ሕጂ ክሳብ`ዛ ደቒቕ`ዚኣ ዝተገብረ ልዝብ የለን" ኢሉ።

ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ምስ ቢቢሲ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ልዝብ ይግበር ምህላዉ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ሶማሌን በጺሓ ዝተመልሰት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ተሳተፍቲ`ቲ ኩናት ኢትዮጵያዊ ፍታሕ ንምምጻእ ድልየት ከምዘለዎምን፡ ንሰላም ዝሓሸ ዕድል ከምዘሎን ጠቒሳ ኔራ`ያ።

ይኹን`ምበር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብዛዕባ ልዝብ ብዙሕ ከምዝውረ ምስምዑ ብምግላጽ ነገር ግን ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ልዝብ ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ "እዚ ማለት ግን ዝኾነ ልዝብ ዝብሃል ነገር ኣይነካይድን ኢና ማለት ኣይኮነን" ኢሉ።

ልዝብ ማለት ዕርቂ ማለት ከምዘይኮነ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ መንግስቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ፍጹም ከምዘይደራደር ቅድሚ ሎሚ ዝሓዞ መርገጺ ምዃኑ ብምሕባር ሕጂ`ውን ዝግበር ልዝብ ካብዚ መትከል`ዚ ወጻኢ ከምዘይከውን ኣብሪሁ`ሎ።

ቀ/ሚ ቀጺሉ "ኣብ ልዝብ ናይ ሰላም አማራጺ እንተልዩ: ህወሓት ልቢ ገዚኡ ኲናት ከምዘየዋጽእ ብኲናት ክዕወት ከምዘይክእልን ከምዝሰዓርን እንተኣስተውዒሉ ንሕና ብሓጎስ ኢና ንርእዮ" ብምባል መንግስቲ ንልዝብ ድልው ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ክሳብ ሕጂ ብኣሸባርነት ምስ ዝተመደበ ውድብ ልዝብ ንምክያድ ኢና ዝተባህለ ነገር የለን ኢሉ ኔሩ`ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ሎሚ ናይ ፓርላማ ውዕሎ፡ ብዛዕባ`ቲ ህወሓት ብሸነኽ ዓፋር ከፊትዎ ዝብሃል ውግእ ክገልጽ ከሎ ዕላማ ህወሓት መግቢ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ ምግባር`ዩ ኢሉ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ብፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ብኤርትራ ዝድገፉ ዕጡቓት ዓፋርን ንዝመጾ ስግኣት ንምክልኻል ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝወሰደ ይገልጽ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ድማ፡ ህወሓት ነቲ ኩናት ዝኸፈቶ፡ ረድኤት መግብን ካልእን ንብረትን ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ካብ ሰመራ ተበጊሰን ናብ መቐለ ጉዕዞ ምስ ጀመራ ምዃኑ ብኣብነት ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG