ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ልዝብ ንምክያድ ዝተዳለወ መድረኽ ከምዘየለ ኣፍሊጡ


ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን ኣቶ ከበደ ዴሲሳ
ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን ኣቶ ከበደ ዴሲሳ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ልዝብ ንምክያድ ዝተዳለወ መድረኽ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክካይድ ዝተመደበ ሃገራዊ ምኽክር ምስ ህወሓት ልዝብ ንምክያድ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከምዘይኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

‘’ኩሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዝርርብ ናይ ምክያድ ሓሳብ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ዝተመደበ እምበር ገለ ኣካላት ከምዝብሉዎ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ንምልዛብ ዘቕረቦ ሓሳብ የለን’’ ክብሉ ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን ኣቶ ከበደ ዴሲሳ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓይልታቶም ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጽኦም ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጽሓፍዎ ደብዳበ ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዝርርብ ከምዘድሊ ኣብ ደብዳቢኦም ገሊፆም ኔሮም።

ይኹን እምበር ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ናይ ቱርኪ ኣናዶሉ ወኪል ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለምልልስ ህወሓት ኣብቲ ልዝብ ንምስታፍ ዕድል ዝህልው ዕጥቑ ምስፈትሐን ዝድለዩ ዝበሉዎም ገበነኛታትን ኣሒሊፉ ምስሃበ ምዃኑ ሓቢሮም ።

XS
SM
MD
LG