ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ምክልኻል ኢትዮጵያ መራሕቲ ህውሓት ዘለውዎ ንዝሓበረ 10 ሚልዮን ብር ገንዘብ ከምዝሽልም ኣፍሊጡ


መራሕቲ ህወሓት ዘለውሉ ቦታ ሓበሬታ ንዝሃበ 10 ሚሊዮን ብር ከምዝሽልም ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ምክልኻል ኣፍሊጡ።

ሎሚ ዓርቢ ንመራኸቢ ብዙሃን መግለፂ ዝሃቡ ዋና ሓላፊ ክፍሊ መረዳእታ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሌቴናል ጀነራልኣስራት ዴኔሮ ‘’ጁንታ’’ ኢሎም ንዝፀውዕዎ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ንሶም እቲ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብቶም ዝሓለፉት ክልተ ሰሙናት ዕጥቕን ሓይሊ ሰብን ህወሓት ደምሲሱ ድሕሪ ምባል መራሕቲ ህወሓት ዓቕሞም ተዳኺሙ ፈቖዶ ተበታቲኖም ኣለው ኢሎም።

ሌተናል ጀነራል ኣስራ ዴኔሮ ብምውሳኽ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓበሬታ ንዝህቡ ሰባት ሓይልታት ምክልኻል ሽልማት ክህብ እዩ ኢሎም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG