ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ገበናት ካብ ምፍጻም ኢድኩም ሃቡ ክብል ጸዊዑ


መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ገበናት ካብ ምፍጻም ኢድኩም ሃቡ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ።

ብክፍሊ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝወጸ መግለጺ ንመራሕቲ ህወሓት ብተደጋጋሚ ገበናት ከሲሱ'ሎ። ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈጸመ ካብቲ ገበናት ሓደ ምዃኑ ዝጠቐሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ እቶም ተሓተትቲ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ'ዮም ኢሉ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ወታሃደራዊ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ፥ መራሕቲ ህወሓት ኢዶም ሂቦም ፍትሒ ካብ ምርኣይ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ መውጽኢ የብሎምን ኢሉ።

እቲ ጀነራል ብተወሳኺ ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ንህወሓት ዲፕሎማሲያውን ናይ ኣጽዋርን ድጋፍ ክግበር ብፍታን ከሲስዎ'ሎ።

ብኻልእ ዜና ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ርክብ ኔርዎም ንዝበሎም 287 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታው ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቓል ፈደራል ፖሊስ ኣብዲ ጀላን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፥1032 ብረት፥ 131 ሸጓጉጥ፥ ከምኡ'ውን ልዕሊ 46 ሺሕ ጠያይቲ ተታሒዙ'ሎ።

ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ወታሃደራዊ ኣልባሳት ፓስፖርትታት ዝኣመሰለን ሰነዳት'ውን ምትሓዙ ኣፍሊጡ'ሎ ።

XS
SM
MD
LG