ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ ሓደጋ ግዜ ኣዊጁ


ፓርላማ ኢትዮጵያ - ፋይል
ፓርላማ ኢትዮጵያ - ፋይል

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ንሽዱሽተ አዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

"ኣብ ህልውና ሃገርን ሉአላዊነትን ዝመጸ ሓደጋ ንምክልኻል" ብዝብል ኣርእስቲ ብኣዋጅ 5/2014 ዝጸደቐ ውሳነ "መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ህልውና ሃገርን ሉኣላዊነት ከምኡ'ውን ድሕነት ሰላማዊያን ሰባት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ኣብ ዝኾነ ናይታ ሃገር ክፍሊ ሰራዊት ምክልኻል ወይ ናይ ጸጥታ አካላት ብምውፋር ሰላም ጸጥታን ከኽብሩ ትእዛዝ ከምዝህብ" ይገልጽ።

እቲ ኣዋጅ ወሲኹ ሰዓታት እቶ እቶ:ናይ ህዝቢ መራኸቢ መስመራትን መጉዓዝያን ክዕጸው ወይ'ውን ክቋረጽ ዝብል ትእዛዝን ክህብ ከምዝክእል ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ።

እቲ ኣዋጅ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታት'ውን ዝሓዘ'ዩ።

እቲ ብመገዲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ኣቢሉ ዝተዘርግሐ ዜና፡ ክልተ መዓልታት ድሕሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዜጋታት ብረት ኣልዒሎም፡ ኣንጻር’ቶም “ኣሸበርቲ” ኢሎም ዝጽውዕዎም ሓይልታት ነብሶም ክከላኸሉ ምሕባሮም'ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ነባሮ ኣዲስ ኣበባ፡ ብረት ዘለዎም ክምዝገቡን ነብሶም ንምክልኻል ክቕረቡን ብሰብ-መዚ ሎሚ ሰሉስ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ከምዚ ዝመስል ናይ ህጹጽ ሓደጋ ዝኣወጀት ኣብ ለካትቲ 2018 ቅድሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻኦም’ዩ። ኣብቲ እዋን ሰዓታት እቶ-እቶ’ውን ተኣዊጁ ነይሩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘመልከቶ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ መንበሪ ኣባይቲ እናዞረ ዜጋታት ብረቶም ከመዝግቡን ብኸባቢኦም ክጥርነፉን መምርሒ ኣሕሊፉ ኣሎ። ከም መግለጺ እቲ ምምሕዳር፡ ኣብ እዋን ተፍትሽ፡ “ኣሸገርቲ” ዝተባህሉ ከም ዝኣሰረ'ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብመሰረት ትእዛዝ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብረት ዘለዎም እሞ ባዕላቶም ኣከባቢኦም ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ምድላዋት ክስለፉ ዓቕሚ ዘይብሎም፡ ብረቶም ንመንግስቲ ከረክቡ ምሕጽንታ ቀሪቡሎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG