ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ንህዝቢ ዝተለኣኸ ሓገዝ ንዕጡቓቱ የውዕል ኣሎ ክብል ይኸስስ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ንህዝቢ ዝተለኣኸ ሓገዝ ንዕጡቓቱ የውዕል ኣሎ ክብል ይኸስስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ንህዝቢ ዝተለኣኸ ሓገዝ ንዕጡቓቱ የውዕል ኣሎ ክብል ይኸስስ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዕጡቃቱ የውዕሎ ኣሎ ክብል ይኸስስ። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቅረቦ ኣብ ድፋዓት ህወሓት ዝረኸብኩዎ እዩ ክብል መለለዪ ኣርማ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ(ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዘለዎም ናይ ረዲኤት መግብታት ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣውጺኡ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጋደድ ይገብር ኣሎ ዝተባህለ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ክብልን ብቅልጡፍ ናብ ዘተ ክምለስ ፤ ከምኡ'ውን “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ:ሓይልታት ትግራይ'ውን ካብ ክልል ኣምሓራ ክወጹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ክልል ትግራይ ክጅመሩ ይግበር” ክትብል ብሪጣንያ ሓቲታ።

መሓውራት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብቲ ህወሓት ደጊሙ ጀሚሩዎ ዝበሎ ኲናት ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዛት ንሰራዊቱ የውዕሎ ኣሎ ኢሉ።

ሃገር መዕነዊ ተግባራት ህወሓት ጠጠው ናይ ምባል ግዴታ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ወዲቁ ይርከብ ዝበለ'ቲ መግለፂ ምኽንያት ክብል ዘቀመጦም ነጥብታት ድማ ኩነታት ቀረባት ረዲኤት ይርከብዎ።

“ህወሓት ናብ ክልል ትግራይ ዝተላእኩ ሓገዛት ረዲኤት ኣብ ክንዲ ነቲ ፅጉም ህዝቢ ብኣንፃሩ ንመሳለጢያ ኲናት የውዕሎ ብምህላዉ መንግስቲ ብቀጥታ ናብቲ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ንምብፃሕ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር ህዝቢ ካብ ፀገም ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎ” ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ኣብቲ ደጊሙ ዝተወለዐ ኲናት ዝተሰብሩ ድፋዓት ህወሓት ተረኺቦም ክብል ኣርማ ዓለምለኸ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዘለዎም ናይ ረዲኤት መግብታት ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣውጺኡ'ሎ።

ነዞም ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተላዕሉ ክስታት ኣመልኪቱ መልሲ ክህበና ብኢመኢል ዝተሓተተ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ዳይሬክተር'ቲ ትካል ሰማንታ ፓወር ቅድሚ ትማሊ ኣብ ትዊተረን ዝፀሓፈኦ ሓበሬታ ብምሕባር ተወሳኺ ርእይቶ ከምዘይህብ ዝገልፅ መልሲ ኢሜይል ልኢኹ።

“ ኢትዮጵያ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ ትግራይን ዝርከቡ ሰብኣውያን ተቀባልነት ዘይብሎም ኸም ማእሰርቲ፣ ምስራቅ ነዳዲን ምምንጣል ረድኤት ዝፀዓና መኻይንን ዝዓመሰሉ ምትእትታው የጋጥሞም ኣሎ።”ክብላ ላዕለወይቲ ኣተሓባባሪት ዓለምለኸ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ሳማንታ ፓወር ኣብ ትዊተረን ምፅሓፈን ዝዝከር ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሎም ዝተፀገሙ ብኣግባቡ ንኽባፃሕ ኩሎም ወገናት ንመስርሓት ሰብኣውያን ከኽብሩ'ውን ፀዊዐን።

ነዚ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣመልኪቱ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝቀርበሉ ዘሎ ክሲ ህወሓት ዛጊት ዝሃቦ መልሲ እኳ እንተዘይሃለወ ኣቐዲሙ ንዝቐረበ ተመሳሳሊ ክሲ ግን ተቀባልነት ከምዘይብሎም ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸይኣቱ ይገብር ኣሎ ክብሉ ነንሕድሕዶም ብተደጋጋሚ ክካሰሱ ምጽንሖም ዝዝከር እዮ። ይኹን ደኣ ምበር ድሕሪ እቲ 18 ነሓሰ ዳግም ዝተላዕለን ተጋዲዱ ዝቅፅል ዘሎ ጎንፂ ዝያዳ ኣብ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኣዩ ፀገማት ከምዘጋደዶ ይግለፅ ኣሎ።

እቲ ጎንፂ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ንዝርከቡ 13 ሚልዮን ዝበፅሑ ሰባት ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ክኾኑ ብምግባር ኣብ ዓለም ካብቶም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተራእየሎ ከባቢታት ሓደ ክከውን ገይሩ እዩ ዝበለት ብሪጣንያ ክልቲኦም ወገናት ተፃብኦታቶም ጠጠው ኣቢሎም ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክምለሱ ሓቲታ እያ። ሚኒስትር ጉዳይ ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ትማሊ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ “ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም የካይድዎ ዘለዉ ውግእ ብቅልጡፍ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ትግራይ ክምለሱ፤ ሓይልታት ኤርትራ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ትግራይ ይውፅኡ” ኢለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ትግራይ ብቅልጡፍ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከጀምር ሓቲተን።

ንሰን ወሲኸን “ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተወሰደ ነዳዲ ስራሕቲ ትካላት ሰብኣውያን ዝያዳ ክከብድ ከምዝገብሮን ህወሓት መሊሱ ንኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዛት ክውዕል ክተሓባበር ፀዊዐን። ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት'ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እኳ እንተሃቡ ህወሓት ግን ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝሃቦ መልሲ ካብቲ ትካል ዝሰረቆ ዝኮነ ዓይነት ነዳዲ ከምዘየሎን እኳ ድኣስ ልዑል መጠን ዘለዎ ነዳዲ ነቲ ትካል ምልቅሑ ምግላፁ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እናሃለወ ዝተፈላለዩ ትካላት ኲናት ደው ክብልን ፃዕርታት ሰላም ክቅፅሉ ይፅውዑ ኣለዉ። ሃይማኖታዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ እውን ቅድመ ዂነት ሰላም ሰላም ጥራሕ ብምዃኑ ተፃባእቲ ወገናት ነዚ ኲናት ብዘይ ገለ ቅድመ ኹነት ጠጠው ከብሉን ዘተ ሰላም ከካይዱ ኣብቲ ትማሊ ዘውፀኦ መግለፂኡ ሓቲቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ህወሓት ህፃናት ናብ ኲናት ይውፍር ኣሎ ክብል ይከስስ: ህወሓት ነቲ ናይ ሎሚ ክሲ ብቀጥታ መልሲ እንተዘይሃበሉ እኳ አብ ዝሓለፉ እዋናት ንዝቀረብሉ ተመሳሰልቲ ክስታት ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ክብል ኣዋዲቁዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ደጊሙ ዝተወለዐ ኲናት 10ይ መዓልቱ ኣቑጺሩ'ሎ።ብዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝቀርቡሎም ፃውዒት ሰላም ተቀባልነት ከይረኸበ እናተጋደደ ይቅፅል ኣሎ።

XS
SM
MD
LG