ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ይከራኸሩ


ዓፋር ክልል - ፋይል
ዓፋር ክልል - ፋይል

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ንኽብቅዕ ዝካየድ ዝኮነ ዓይነት ዘተ ሰላም ብመንጎኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳለጥ ከምዝደሊ አብዚ ሰሙን ክገልፅ ከሎ ህዝባዊ ወያነ ትግራይ (ህወሓት) ግን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉን ነቲ ዘተ ኬንያ ክትመርሖ ከምዝኾነ ከምዝደልይ ገሊጹ እዩ።

ሪፖርተር ድምፂ አሜሪካ ካብ ኣዲስ አበባ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም ርእይቶን እቲ ዘተ ዝህልዎ ተስፋን ኣመልኪቱ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።

ሚኒስትር ፍትሒ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞትዮስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ደጊሞም ግልፂ ዝገበርዎ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ነቲ ምስ ህወሓት ዝካየድ ዘተ ሰላም ክመርሕዎ ድልየት መንግስቶም ከምዝኾነ እዩ። ይኹን እምበር ህወሓት ግን ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉን ንፕሬዝዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝመርፅን ኣብቲ ዘተ ሰላም'ውን ወሳኒ ግደ ክፃወቱ ከምዝኽእሉን እዩ ገሊፁ።

ንምዃኑ ንምንታይ እዮም እዞም ክልተ ወገናት ኣብዚ ገና ዘይተጀመረ ዘተ ኮይኖም ዝፃረሩ ዘለዉ ነቲ ንመፃኢ ዝካየድ ዘተ'ኸ ከመይ ክፀልዎ ይኽእል፧

ቤልጂየም ዝመደብሩ ትካል መርማሪ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ተንታኒ ዊልያም ዴቪሶን ከምዚ ይብል።

"መርገፂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብቲ ጎንፂ ዝተጀመረሉ እዋን አትሒዙ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብዘርኣይዎ ዝተወሰነ ደገፍ ዝመበገሲኡ ይመስለኒ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ እዋን ሽምግልና ብዙሕ ናይ ምግዳድ ሓይሊ ክህልዎ እዩ ዝብል እምነት ስለዘይብሉ ክቆፃፀሮ ዝኽእል ሽማግለ ስለዝኾነሉ ይመስለኒ።”

ዊልያም ዴቪሶን ወሲኹ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ ይብል።

ሶሎሞን ጓዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲቲ ጂጂጋ መምህር ሕጊ እዮም ። ኬንያ ነቲ ዘተ ፍትሓዊት (ገለልተኛ) ሽማግለ ክትከውን እያ ዝብል እምነት የብሉን።

"ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባትን ከባቢያዊ ጉዳይተን ዝተተሓሓዘ ምስሕሓባት ኣለዋ እዩ ። ንሱ ምናልባት ገለልተኛ ንኸይትኸውን ተጽዕኖ ክፈጥረላን ሞንጎኛነታ ክፀልዎን ይኽእል እዩ።ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ኬንያ ዝሐሸ ኣካል ክኸውን ዝኽእል ይመስለኒ።"

ዴቪሶን ብወገኑ ከምዚኦም ዝበሉ ዘይምርድዳኣት ዝተለምዱን ክፍትሑ ዝኽእሉን እዮም ይብል ።

"መንግስቲ ኬንያ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኻቱን ብምዃን ብሓባር ክሰርሓሉ ዘይኽእል ዝተፈለየ ምኽንያት የለን። ምስቲ ዘሎ ሓደጋ እዚ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል እዩ ።ከምዚኦም ዝበሉ ጭቅ፟ጭቃ፟ት መስርሕ እቶም ተዛተይቲ ካብ ምዝታዮም ንኸየትርፍዎም ጥንቃቀ፟ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።"

ኣብቲ ዝካየድ ዘተ ሓደ ሓደ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ዘልዕልዎም ዝተሓላላእኹ ሓሳባት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ወፃኢ ኣብቲ ጎንፂ ቀንዲ ተሳተፍቲ ንዝነበሩ ብፍላይ መንግስቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ'ውን መንግስቲ ኤርትራ ክሓውስ ኣለዎ ይብሉ ።

ሰራዊት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓወሱ ኣንፃር ህወሓት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተዋጊኡ እዩ ። ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝተኻየደ ውግእ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ 2021 ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ናብ 5.1 ሚልዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እዩ።

ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ገንት ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ስጋብ ሕጂ ከባቢ ፍርቂ ሚልዮን ዝበፅሕ ህዝቢ ምሟቱ እዩ ዝሕብር። እዚ ኣብቲ ኲናትን እቲ ጎንፂ ብዝተፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላውን ንዝሞቱ ዝሓወሰ እዩ ።

XS
SM
MD
LG