ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኡጋንዳ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቴሌፎን ቀረጽ ዝኸፍልሉ መስርሕ የዳለው


ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ- ፋይል
ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ- ፋይል

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ሚንስትሪ ፋይናንስ ሃገሮም ኣብ ቴሌፎን ዝወሃብ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ቀረጽ ዝኽፈለሉ መስርሕ ከተኣታትው ምእዛዞም ካብ ብዙሓት ነቐፌታ ዘስዓበሎም እንተኾነ ገለ ቤት ጽሕፈታት ‘ታ ሃገር ግን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ካብ ተጠቐምቲ ኢንተርነት ኣብ ቴሌፎን መዓልታዊ ዝኽፈል ቀረጽ ንምእትታትው ጻዕርታት የኻይዱ ምህላው ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቁጽሪ ተጠቐምቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ቴሌፎን ብ15 ሚእታዊት ምውሳኹ መንግስቲ ኡጋንዳ ይገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ መስርሕ ቀረጽ ንምትግባር ክልተ ውጥን ቀሪቡ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቴሌፎን ንዝኻየድ ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ ሓደ ሚእታዊት ቀረጽ ክኽፈል ዝብል ኽከውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተገልጋሊ ኢንተርነት ዝኽፈል ሓሙሽተ ሚእታዊት ክፍሊት ዝብል’ዩ።

እቲ ካልኣይ ውጥን እቲ ዝበዝሓ ክትዕ ፈጢሩ ዘሎ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

አባላት ካቢነ’ታ ሃገር ብወገኖም ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከመሓይሽ ይክእል’ዩ ክብሉ ነቲ ውጥን ይድግፉ።

ሚንስትር ሓበሬታ፡ኮሚኒኼሽንን ቴክኖሎጂን ኡጋንዳ ፍራንክ ቱምዋቤዝ “ብዋትስ ኣፕ ጻውዒት ቴሌፎን ምክያድ ቀረጽ ኣየድልዮን ይኸውን ብካልኦት መሳለጥያታት ተጠቒምካ ዝተፈላለዩ ስርሓት ንምስላጥ ቀረጽ ምክፋል ግን ጸገሙ እንታይ’ዩ? ነቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት’ውን ዘመሓይሽ’ዩ” ይብሉ።

ተጣበቕቲ መሰላት ግን ነዚ ውሳነ ዘለዎም ጥርጣረ ኣይሓብኡን።

መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ እዋን ምርጫ 2016 ዓ.ም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ምዕጻውን ፡ ንመንግስቲ ዝነቕፍ ጽሑፋት ንዝውጽኣ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዋ ይፍለጥ።

እቲ ቀረጽ ምክፋል ዝጸድቕ ብውሳነ ፓርላማ ኮይኑ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሚንስትሪ ፋይናንስ ምስ አባላት ካቢነ ኣብ ወርሒ ግንቦት አኼባ ከኻይድ’ዩ።

XS
SM
MD
LG