ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኡጋንዳ ብዘይካ ፌስቡክ ተቋሪጹ ዝነበረ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጅማሩ ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሰበስልጣን ኡጋንዳ ቅድሚ ናይ 14 ጥሪ,2021 ምርጫ ንሓደ ወርሒ ዝዓፀውዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዳግማይ ምጅማሮም ገሊጾም ኣለው።

መንግስቲ እቲ ምቁራፅ ኣገልግሎት ንፀጥታ ክብሃል ኣገዳሲ ከምዝነበረ ይገልፅ። ነቐፍቲ ግን ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ፕሬዝዳንት ዮሪ ሙሰቨኒ ዝካየድ ርክብ ንምብታኽ ዝዓለመ እዩ ይብሉ።

ናይ ኡጋንዳ ሚኒስትር ሓበሬታን ኮሚኒኬሽን ቴክኖሎጂን ፒተር ኦጉዋንግ ብቲዊተር ኣብ ዘርግሕዎ መልእኽቲ "ኣገልግሎታት ኢንተርኔትን ማሕበራዊ ሚዲያን ብምሉእ ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ ኣሎ"ኢሎም።ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ንዝተፈጥረ ፀገም ይቕሬታ ንሓትት ግን ንናይ ሃገርና ድሕንነት ክብሃል እዩ ከምኡ ኮይኑ’’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG