ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ታንዛንያ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ኣልዒሉ


ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን - ፋይል
ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን - ፋይል

ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን፣ ነቲ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኣልዒለነኦ። ቅድሚኤን ፕረዚደንት ዝነበሩ ጆን ማጉፉሊ ነቲ እገዳ ዘንበሩ፣ ሰልፊታት ናብ ህውከት ስለዝዓርጉ ካብ ዝብል ከምዝነበረ’ውን ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሳምያ ነዚ ውሳነ’ዚ ዝሃባ፣ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ታንዛንያ አብ ዝነበረ አኼባ ምስ ፖለቲካዊያን ፓርቲታት እዩ።

"ሓላፍነትና፣ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ብሰላም ጀሚርኩም ብሰላም ንክትውድኡ ንዓኻትኩም ምክልኻል እዩ። ከም ፖለቲካዊያን ፓርቲታት ድማ፣ ናታትኩም ሓላፍነት፣ ንሕጊ ምኽባር ክኸውን እዩ። ዝማዕበለ ፖለቲካ ክንሰርሕ ይግባእ። ፖለቲካ፣ ንህንጸት’ምበር ንጥፍኣት ኣይንጠቀመሉ።"

ንሰን ካብ’ቶም ቅድሚ ዓሚ ብሞት ዝተፈለዩ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፣ ስልጣን ካብ ዝተረከባሉ ጊዜ ጀሚረን፣ ጆን ማጉፉሊ ንተቃወምቶም ንምዕፋን ክብሉ ይኽተልዎ ካብ ዝነበረ ኣገባብ ንፖሊሲኤን እናርሐቃ ጸኒሔን እየን።

ዋና ጸሓፊ ፓርቲ ቃዲማ ቤንሰን ሲንጎ:"መሰልና ስለዝኾነ ብዙሕ ንሕጎሰሉ ኣይኮነን። ብመሰረት ሕጊ’ዛ ሃገር፣ እዚ ከም መጠን ፖለቲካዊያን ፓርቲታት ተግባራዊ ክኸውን ነይሩዎ። ታንዛንያዊያን፣ ሓቢርና፣ መራሕቲና፣ ንሕጊ ክትግብሩን ከኽብሩን ክንደፍኦም እዩ ዝግባእ"ክብሉ ግብረመልሶም ሂቦም።

ካልኦት ተቃወምቲ ፓርቲታት ብወገኖም ተግባር እተን ፕረዚደንት፣ ኣብ ታንዛንያ መሰረት ዴሞክራሲ ኮይኑ ንክቅጽል ይሓቱ።

እተን ፕረዚደንት፣ ቅድም ኢለን ኣብ ዘቃለሐኦ መደረ፣ ንታንዛንያ ዝምልከት፣ ብሕልፊ ንዲሞክራሲ ዝምልከት ዝሃብኦ ዝሃበኦ ርእይቶ፣ ኣብ’ታ ሃገር ለውጢ ክተኣታቶ ከምዝኽእል ተስፋ ዝሃበ እዩ።

እንተኾነ፣ ነቶም ለውጢታት ንምትግባር ብድሆታት ከጋጥሙ እዮም። ንሰን’ውን ማዕረ ቅድሚኤን ፕረዚደንት ዝነበሩ ማጉፉሊ፣ ኣባል ሓደ ፓርቲ ስለዝኾና አቀዲመን ናይ’ቲ ፓርቲ እወንታ ክረኽባ ኣለወን።

XS
SM
MD
LG