ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ቬንዝዋላ ንኣምባሳደር ጀርመን ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዙ


መንግስቲ ቨንዝዌላ ኣንፃር ፕረዚዳንት ኒኮላስ ማዱሮ ፖለቲካዊ ግጥም ንዝፀመዱ መራሒ ተቓዋሚ ጁዋን ጓይዶ ደጊፎም ብዝብል ንኣምባሳደር ጀርመን ካብታ ሃገር ክወፁ ኣዚዙ።

መንግስቲ’ታ ሃገር ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣምባሳደር ማርቲን ክሪየነር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቬኔዝዌላ ጣልቃ ስለዝኣተው ኣብ ውሽጢ 48 ስዓታት ካብታ ሃገር ክወፁ ኣለዎም ይብል።እቲ ትእዛዝ ዝወፀ ካብ ናይ ወፃኢ ሃገር መገሻ ዝተመልሱ ጓይዶ ንምቕባል ክሪየነር ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ከተማ ካራከስ ብምርካብ ምስ ጓይዶ ድሕሪ ምርኻቦም እዩ።

ጓይዶ ናይታ ሃገር ናይ ስግግር መራሒ ምዃኖም ብኣሜሪካን ካልኦት ኣስታት 50 ሃገራትን ኣፍልጦ ረኺቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG