ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክወጹ ሓቢሩ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ

መንግስቲ ብሪጣንያ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መዘኻኸሪ ጻውዒት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስእነት ጸጥታ እናገደደ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዜጋታቱ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ክወጹ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘመልከቶ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ቪኪ ፎርድ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኲናት ናብ ኣዲስ-ኣበባ እናቐረበ ክመጽእ ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ ድሕሪኡ ዜጋታት ምውጻእ ክኸብድ ምዃኑ ኣመልኪታ'ላ።

እታ ሚኒስተር“እቶም ክጸንሑ ዝመረጹ ንዝመጽእ ሰሙናት ውሑስ መከላኸሊ ነብሶም ክፍትሹ ኣድላዪ’ዩ፡” ኢላ ። ብኣገላልጻ ሚኒስተር ፎርድ ድማ እቶም ዜጋታት ከምቲ ዝተሓበሮም ምስ ዘይገበሩ፡ ኣብ መጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ መንግስቶም ከውሕስ ከም ዘይክእል ጠቒሳ።

XS
SM
MD
LG