ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ ጉዳይ ግድብ ፈለግ ኒል  ጸግዒ ከምዘይወስድ ኣፍሊጡ


ሚንስተር ወጻኢ ሶማል ሃገር ኣሕመድ ዒሰ ኣዋድ

መንግስቲ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ ጉዳይ ግድብ ፈለግ ኒል ጸግዒ ከምዘይወስድ ሚንስተር ወጻኢ`ታ ሃገር ኣሕመድ ዒሰ ኣዋድ ኣፍሊጡ።

ግብጽን ኢትዮጵያን ንዘለወን ውጥረት ብልዝብ ክፈትሓ ሃገሩ ናብ ሊግ ዓረብ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ምግላጹ`ውን መንግስቲ ሶማል ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ምስ ናይ ሶማል ፕረዚደንት መሓመድ ፈርማጆ ጥቡቕ ዝምድና ዝቐጸለ ክኸውን ከሎ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ምስ ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዃን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ቁጠባዊን ጸጥታውን ምትሕብባር ይፈጥሩ ኸምዘለዉ እቲ ተተሓሒዙ ዝመጻና ዜና ይጠቅስ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG