ዋሽንግተን —
ብመሰረት ጸብጻብ ጸብጻብ ሚድያ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።
እቲ ኣጽዋራት ብነፋሪት ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ሱና ብእኡ ንብኡ መርመራ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጡ።
ንሰበ-ስልጣን ዝጠቐሰ ሱና ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ እቲ ኣጽዋር፡ ካብ ሩስያ ኣብ 2019 ዝተላእከን፡ ንክልተ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰበ-ስልጣን ተታሒዙ ዝጸንሐን`ዩ። እቲ 72 ሳጹናት ኣጽዋራትን ቢኒኮላትን ዝሓዘ ምንባሩ`ውን ሱና ይጠቅስ።
ሎሚ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ኣጽዋራት መልሲ ዝሃበ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ጽዕነት ሕጋዊን እቲ ንብረት ድማ ናይ እንስሳ መህደኒ ጠበናጁ ምዃኑን ሓቢሩ`ሎ። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ብረት ክሳብ ግቡእ መርመራ ዝግበረሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንነዊሕ እዋን ሒዞሞ ከምዝጸንሑ ዝገለጸ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ መርመራን ካብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ናይ መረጋገጺ ደብዳበ ድሕሪ ምርካብን ግን እቲ ናይ ሃድን ብረት ከምዝልቀቕ ተገይሩ ይብል።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባተን ብዘለወን ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ክሰሓሓባ ጸኒሐን ኣለዋ።