ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሱዳን ንማሕበር ሞያተኛታት ከደስክል ምዃኑ ኣፍሊጡ


መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል- ቡርሃን- ፋይል
መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል- ቡርሃን- ፋይል

ማሕበር ሰራሕተኛታት ሱዳን ዝተመስረተሉ ረቛሒታት፣ ንመሰል ምእካብን ምውዳብን ዝሓቖፈ ዓለምለኸ ክኸውን ከምዝግባእ፣ እቲ ነቲ ቅድሚ ኸውን ዓመታት ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝመርሐ ማሕበር ሞያተኛታት ሱዳን ገሊጹ።

እዚ መግለጺ’ዚ ዝተቃለሐ፣ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል- ቡርሃን፣ ንምንቅስቃስ ማሕበራት ሰራሕተኛታት፣ ንፋይናንሶምን ንመራሕቶምን ድሕሪ ምድስካሎም እዩ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ድሕሪ ምቛም ኣናዳዪ ሓቂ ኮሚቴ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ንዘሎ ፋይናንስ ማሕበራት ከግምግሙን ክወርሱን ድልየት ከምዘለዎም ገሊጾም ኣለው።

ወሃቢ ቃል’ቶም ሞያዊያን ማሕበራት ሳልማ ኑር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ማሕበራት ዝተጀመረ ክሲ ብልሽውና ከምዘሎ ኮይኑ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ንመራሕቲ ማሕበራት ከድስክል ምህቃኑ ኣሻቓሊ እዩ" ከምዝበለት ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG