ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲን ተቓወምቲን ደቡብ ሱዳን ንዝተመሓየሸ ስምምዕ ሰላም ፈሪሞም


ተቓወምቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ኣቐዲሙ ንዝተገብረ ስምምዕ ንምትግባር ዘኽእል ሓደስቲ ምምዕርራያት ተጌይሩ፡ ካልኦት ዘድልዩ ነገራት ብምውዳድ መንግስቲን ተቓወምቲን ሎሚ ንዝተመሓየሸ ስምምዕ ዕርቂ ፈሪሞም ክብሉ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ገሊጾም።

ንሶም ብተወሳኺ ትማሊ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ምዕባለ ነቲ ዞባ ዓብይ ዜና’ዩ ኢሎም።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እዚ ጉዳይ መዓልቦ ረኺቡ። እቲ ስምምዕ ሰላም እንደገና ንምትግባር ሓደስቲ ምትዕርራያት ተጌይሩ ሓደስቲ ምውዳድን መንግስታዊ ቅርጺን ካልኦት ዘድልዩ ነገራት ብምድላው መንግስቲን ተቓወምቲን ነቲ ስምምዕ ፈሪሞም” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG