ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲን ተቓወምቲን ሱዳን ኣብ ከተማ ጁባ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


 ነቲ ልዝብ ኣብ ከተማ ጁባ ዝኣተው ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፡ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን
ነቲ ልዝብ ኣብ ከተማ ጁባ ዝኣተው ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፡ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን

መራሕቲ ገዛኢ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ’ታ ሃገር ሎሚ ሶኑይ ኣብ ከተማ ጁባ ብምርኻብ ኣብታ ሃገር ንዝረአዩ ዝተፈላለዩ ግጭታት ደው ንምባልን ነታ ሃገር ካብ ናይ ኣሜሪካ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ንምውጻእ ተዘራሪቦም።

መራሕቲ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ሰላም ምፍጣር ቀንዲ ቀዳምነት’ቲ መንግስቲ ምኳኑ ገሊጾም ኣለው።

ሱዳን ካብ ናይ ኣሜሪካ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ክትወጽእ ብዘይምክኣላ ልቓሕ ካብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ካብ ምርኻብ ከምኡ'ውን ልቓሕ ናይ ምድምሳስ ዕድል ስኢና ምጽንሓ ይፍለጥ።

ሎሚ ኣብ ከተማ ጁባ ዝኣተው አባል ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን መሃመድ ሓምዳን ዲያሎ ብዛዕባ’ቲ ልዝብ ዘለዎም ኣወንታዊ ተስፋ ገሊጾም ኣለው።

“ነቲ ልዝብ ብኽፉት ልቢ ክንጅምሮ ኣለና ብዛዕባ ሰላም ኣብ ሱዳን ምስፋን ዝብል ዕላማ ድማ ውፉያት ኢና” ኢሎም።

ኣብቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ሰላም ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሱዳን ዝመጹ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ይሳተፉ ምህላው’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ ልዝብ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር፡ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒን ቀ/ሚ ግብጺ ሙስጠፋ ከማል ምስታፎም ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG