ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ አዲስ አበራ በረራ ጀሚሩ


መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሎሚ ናብ አዲስ አበባ በረራ ጀሚሩ።

ኣብቲ ሎሚ ቐዳም ዝጀመረ ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ አዲስ አበባ ሚንስተራት ቱሪዝምን ትራንስፖርትን : ዋና አካያዲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣናት አዲስ አበባ ኣትዮም ኣለው።

ሚንስተር ዴኤታ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን'ውን ታ ነፋሪት አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተወትሉ ኣቐባብላ ጌሮምሎም።

ኣቐዲሙ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ፈላማይ በረራ ምኽያዱ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG